ኣብ ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ሰሜን ሪጅን ሓደሽቲ ሰራሕተኛ ንምቑፃር ዘሎ ግዕዝይና ፍሉይ ዝበለ'ዩ።
Shire Endaslassie
Shire (ሽረ), also known as Inda Selassie (እንዳ ሥላሴ, Tigrinya "House of the Trinity"), is a town in northern Ethiopia. Love You Shire
An early mention of Shire is in one of the three surviving charters of Emperor Dawit I of Ethiopia (r. 1382-1412).[4]
As part of the Second Italo-Abyssinian War, Italian units under General Pietro Badoglio advanced out of Axum on 29 February 1936 to attack the Ethiopian army under Ras Imru Haile Selassie deployed around Shire in an action known as the Battle of Shire. Despite determined Ethiopian
እንኳዕ ንስላሴ ጥሪ ብሰላም ኣብፀሓኩም::
26/09/2020
እዚ ቢኒያም ይርዳው ይባሃል:: ካብ ሽረ ትግራይ እዩ ኢልና ንአምን, እና ቤተሰቡ ንእልሾም አለና:: ቤተሰቡ ወይም ንሱ ትፈልጥዎም እንተኮይንኩም በጃኩም ተሓባበሩና ብinbox Message ግበሩለይ:: ወይም አብ ዓድግራት ትርከብ ለምለም ረዳ ትባሃል በዚ ቁፅሪ +251 942138700 ደዊልኩም ተሓባበሩና.
13/05/2020
ዋይ ሽረ ዓደይ ክንደይ ጀጋኑ ከምዘይወለደትስ በዚኦም ክትጨማለቕ!!
ኣብ ከተማ ሽረ እ/ስላሴ ቤት ፍርዲ ዝርከቡ ዳያኑ ንዝመፆም ክሲ ግምታዊ ዝኾነ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ምሃቦም ጉቦ/ብላዕ እውን ከምዝቕበሉ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሚሽጥር ኮይኑ ኣሎ:: ቀልጢፉ መፍትሒ ተዘይትገይርሉ ኣብ ልዕሊ መንግስትና ተኣማንነት ንክጎድል ይገብር እዩ::
ኣብ ሽረ እ/ስላሴ ንምክልኻል ሕማም ክሮና ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕቲ
ብሄራዊ ክልላዋ መንግስቲ ትግራይ ንምክልኻል ተላባዲ ሕማም ኮሮና-ቫይረስ /Covid-19/ ኢሉ ብዘውፅኦ ህፁፅ ኣዋጅ /Command post/ መምርሕታት ኣብ ከተማና ከተማ ሽረ እ/ስላሴ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕለት 04-08-2012 ዓ/ም ጀሚሩ ብመንገዲ ኣየር ኢትየጵያ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገርና ንዝመፁ ግለሰባት ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ዘዘገጀዎ መዕረፊ መወሸቢ /Quarantine/ ናይ ግድን 14 መዓልትታት ክፀንሑ ብዝበሎ መሰረት ተግባራዊ ምግባር ዝምልከት እቶም ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት/ሴክተራት ናይ ስራሕ ጉቡአን ዝፍፅማን ዘይፍፅማን ብዝተዓዘብናዮ መሰረት ክንነግረኩም።
1. ምምሕዳር ከተማ ሽረ እ/ስላሴ (ከንቲባ)
ንመወሸቢ /Quarantine/ ዝኸውን ፅርየቱ ዝሓለወ ሆቴል ኣይቐረቡን። እተን ዝተቐረባ ቦታ 1ይ ኣብ ቀበሌ 01 ዝርከብ ኢትዮጵያ ሆቴል 31 ዓራት መደቀሲ ዘሎዎ ምስ ሓደሽቲ 70 ኣንሶለ ብተወላዲት በዓል ሃፍቲ ከተማና ነዚ ተላባዲ ሕማም መወሸቢ ኢለን ብናፃ ብውህብቶ ዘረከብኦ እንትኸውን ኮይኑ ግን አዚ ሆቴል ቅድሚ 22 ዓመታት ዝተሰርሐ ስለዝኾነ ሕድሕድ መደቀሲ ሻወርን ሽንትቤትን የብሉን ነዞም 31 መደቀሲ ናይ ሓባር /Common Shower & Toilet/ እዮም ዝጥቀሙ። ንመተሓፃፀቢ ዝኸውን ማይ የብሉን እቶም ዝተወሸቡ ሰባት 2 መርቢል ቀሪቦም ብጋሪ እንዳገዝኡ እዮም ዝጥቀሙ።
2ይ መወሸቢ ኣሉላ ሆቴል እንትኸውን እዚ ድማ ብዙሕ ዝተማልአ ነገር ኣብልዕሊ ዘይምህላዉ ማዓልታዊ ክራይ/ክፍሊት በቶም ዝተወሸቡ እዩ ዝሽፈን።
3ይ መወሸቢ ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ሽረ ካምፓስ ክሳብ ሎሚ ዕለት 13-08-2012 ዓ/ም 71 ሰባት ተወሺቦም ኣለዉ። ኣብዚ ቦታ ዝርከቡ ተወሸብቲ መዓልታዊ ካብ 3-4 ምግቢ ብናፃ እቲ ዩንቨርሲቲ የቕርበሎም። ኮይኑ ግን ኤሌክትሪክን ሻወርን ኣብ ሓደሓደ መደቀሲታት ኣይሰርሕን እቶም ተወሸብቲ ፅገና ይገበረልና ኢሎም እንተመልክቱ ድማ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒሽያናት በቲ ቫይረስ ከይንትሓዝ ፈሪሕና ኢሎም ኣቢዮሙና እዮም ዝብሉ። ኣብቲ ቦታ ዝተመደቡ ሓኻይምን ፍሉይ ሓይሊን እዮም ነቲ ዝተባላሸዉ ኤሌክትሪክን ቡምባ ማይን ዝፅግኑሎም።
2. ቢሮ ፀጥታ ከተማ ሽረ እ/ስላሴ
እዚ ቢሮ ኣብ ሕድሕድ መወሸቢ እኹል ዝኾኑ ኣባላት ፀጥታ ፍሉይ ሓይሊ መዲቡ ብዝግባእ ብቕንዕና ይሰርሑ ኣለዉ ምስጋና ድማ ይግበኦም።
3. ሓኻይምን ነርስታትን
በቲ ዘለዎም ፍልጠትን ተወፋይነት ብዝግባእ ይሰርሑ ኣለዉ እዚኦም እውን ምስጋና ድማ ይግበኦም።
4. ጥዕና ቢሮ ከተማ ሽረ እ/ስላሴ
እዚ ቢሮ ብላዕላዋይ ኮይኑ ናይ ምትሕብባርን ምቁፅፃርን ሓላፍነት እኳ እንተሃለዎ ኣብቲ ቢሮ ዘለዉ ሰባት ዓቕሚን ተወፋይነትን ዘይብሎም እዮም። ቀልጢፉ ድማ ፍታሕ ይገበረሉ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ግን ከንቲባ ይኹን ዞባ ኣማሓዳሪ ዓቕሚን ድልየትን ከምዘይብልኩም እየ ክገልፅ ዝደሊ። “ሽረ ዓደይ መራሒ ዘይወፀላ ንምታይ እዩ”? ደብሪፅ ገለባ ግበር።
26/03/2020
ህዝቢ ሽረ ኣይትስግኡ ጥንቃቐ ግን ግበሩ
26/03/2020
19/01/2020
ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ካብ መበል 14 ክ/ዘመን ጀሚሩ ናይ ከተማታት ቅርፂ ከም ዝነበራን ክስብ 1928 ዓ.ም “ኣውራጃ” እናተብሃለት ከም ዝፀንሐትን ዝፍለጥ እንትትኸውን ጣልያን ካብ ሃገርና ምስ ተፀራረገ ብ1934 ዓ.ም ሕጋዊ ኣፍልጦ ቤት ማዘጋጃ ረኺባ እያ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጋዳላይ ገሰሰ ኣየለ (ስሑል) ከንቲባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ኣስመራ ሰኞር ማስካሮ ዝበሃል ጣልያናዊ መሃንዲስ ብምምፃእ ኣብ 240 ሄክታር ስፍሓት ማስተር ፕላን ክስርሐላ ተጌሩ።
ስያመ ዝምልከት ብሕዳር 29 1346 ዓ.ም ንሰደፈ ኣርእድ ዝተመስረተ ጥንታዊ ገዳም ቅድስት ስላሴ ዝተሰየመት እንትትኸውን ስለ ዝብል ድማ ክልተ ምኽንያታት ዘለዎ እንትኸውን እቲ ሓደ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣሌክሳንደር ዓብዪ ሃገሮም ምስተቆፃፀሮ ተሰዲዶም ዝመፁ ሰርያውያን ኣብቲ ከባቢ ይነብሩ ስለዝነበሩ ብሽም ዓዶም ሽረ ሽረ ከምእተብሃለትን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ይነብሩ ንዝነበሩ ህዝቢ ኩናማ ብምስዓር ንከተማ ሽረ ዝተቆፃፀረ ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ዝመርሕ ዝነበረ ራእሲ ዳኛ (ጅግና) ‘ተዓዊተ’ ንምባል “ስዒረ ኣከኹ” እንትብል ሽረ ሽረ ተባሂላ ከምተሰየመት ሰብ ታሪክ ይዛረቡ
17/08/2012
Click here to claim your Sponsored Listing.
Location
Category
Telephone
Website
Address
Jijiga
251
