Hope habesha

Hope habesha

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Hope habesha, Library, Seattle, WA.

03/09/2022

😢😢 ቦቦኩም በታ ትፈትዉዋ ማዘርኩም
ሸር በልዋ ኩሉ ሰብ ክሪኦ መታን. .ቡኡ መጠን ካኣ
ዓቅሚ ዝለዋ ክሕግዝ ..ሰብ ምሕጋዝ ሰብ ሙካን ኡኩል ዩ
ሙሉአ ቪዲዮ ኣብ Ruba eri entertaiment ኣለኩም
ኣብዛ ሊንክ 👇ኣቲኩም ዓቅሙኩም ኣበርኩቱ
https://www.gofundme.com/f/lets-help-mohamed-suleman-and-his-big-family?utm_source=customer&utm_medium=copy_link_all&utm_campaign=p_cp+share-sheet

10/10/2021

በቲ ትማሊ ዝተገብረ ሰንብድና ኢና ይቅረታ ብዝሓት ሃገራት ዜጋታተን ክወስዳ ሓቲተን ኣለዋ ዝደለዩ ክከዱ አዮም ዘይደለዩ ኣብ ውሑስ ቦታ ከም በዓል ኔጀር , ርዋንዳ ክጸንሑ እዮም ዝብል ጩራ ተስፋ ረኺብና ኣለና ንሎሚ ጥዑም ዜና ዩ ተመስገን ፈጣሪ።

06/17/2021

"ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ቀም ኣብል ። ንሓደ መዓልቲ ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ኺድ ። ንሓደ ዓመት ዚኸውን ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ሃብቲ ወረስ ። ኣብ ምሉእ ህይወትካ ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ሓግዝ።

06/13/2021

ጅግና ኣይመውትን ዩ ታሪኹ ዩ ዝውረስ

05/23/2021

#ቃልኣብራሃምኣፈወርቂ🥺🥺🥺🥺

05/23/2021

"ሳላሳ ዓመት ኣብ ጊላነት" 'ዲኻ ዝበልካ...፣

እንታይ እሞ፡ ሳላሳ ዓመት ኣብ ጸልማት እንተሃለኻ፧ እንታይ እሞ ሳላሳ ዓመት ኣብ ስደት እንተሃለኻ...፧ እዚ ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ 1991 እንታይ ዘተኣሳስር ኣለዎ፧ እታ ዕለት'ቲኣ ብዛዕባ ምቛም ሓንቲ ሃገር፡ ብዛዕባ ሓራ ምዃን ሓንቲ ሃገር እምበር ብዛዕባ ኣስተርሒኻ እትድቅሰላ ፍጽምቲ-ሃገር፡ ጋራንቲ ሒዛ ዝመጸት ዕለት ኣይኮነትን። ኣብ ዝኾነ ዓለም'ውን ከም'ኡ ዝብሃል የለን። እናተተኻኻእኻ፡ እናተበራረኻ ኢዩ፡ ኣይገበርካዮን'ምበር። ሕጂ ዘለኻዮ ብሰሪ ስንፍናኻ'ዩ፡ ንናጽነት ተሰዊኦምልካስ ነዚ ሕጂ ዘለኻዮ ስደት ዳግም ክስውኡልካ ትጽበ፧ ንኽልተ መስዋእቲ ኸ ተፈጥሮ የፍቅድ ድዩ፧ blame yourself.

***

"...ኣብ ናጽነት ኤርትራ ኣይኣምንን'የ" ወሲኽካ...፣

99.8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ 'እወ ንናጽነት' ኢሉ። እዚ ማለት ሙሉእ ብሙሉእ ንናጽነት ኣድሚጹ ማለት ኢዩ። እዚ 0.2% እዚ፡ ምሽ ኣብ'ታ ዘይተማህሩ ሕብረተ-ሰብ ሓቑፋ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብ ዝኾነ ምዕቡላት ዓለም ብጌጋ ክፍጠር ዝኽእል ኣዝዩ ሓይሊ ዘይብሉ ቁጽሪ ኢዩ። ስለ'ዚ ኣብ ኤርትራ 100% 'እወ ንናጽነት' ኣድሚጹ ክንብል ዘሰክፍ ኣይህሉን። እሞ ናጽነት ኤርትራ ዘይትኣምን ደኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፧ ኤርትራዊ ኢኻ ኸ ንምዃኑ፧ ኣበይ ነይርካ'ባ ሽዑ፧!

***

ብዝኾነ ዋላ ተቓዋሚ ኩን፡ ርእሲ-ብርጭቕ ኾይንካ እምበር ናጽነት ማራ ኢዩ ዘድሊየካ። ኣይርደኣካን ኢዩ እምበር ናጽነት ብጣዕሚ-ብጣዕሚ ኢዩ ንምቅስቓስካ ሓጋዚ። ሕሰቦ እሞ ብዘይ ሃገር ቃልሲ ክትጅምር፡ ብቑጽራዊ መልክዕ ካብ ትሕቲ ዜሮ ማለት ነገቲቭ(-) ኢኻ ክትጅምሮ። ናጽነት ኮይኑ ማለት ግን፡ ብውሕዱ ሃገር ቆይማ ኢኻ ክትጅምሮ። ስለ'ዚ ካብ ነገቲቭ ዘይኮንካ ካብ ሓደ ወይ ዜሮ ትጅምር ኣለኻ ማለት'ዩ። እሞ ካብ ብነገቲቭ፡ ብዜሮ ምጅማር ኣይሕሸካን፧ ዕዳ ተቓሊሉ፡ ሰከምካ ጎዲሉ፡ ሃገር ቆይማ ክትጅምሮ ኣይሕሸካን፧!

***

"ብናጽነትና ንኾርዕ
ንመጻኢና ነጸብቕ!"

Repost!!!

05/13/2021
05/04/2021

💬ጌጋ ኣብ ምግባር እተሕልፎ ህይወት ዝያዳ ኽቡር ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ሓንቲ ኸይገበርካ ኻብ እተሕልፎ ህይወት ንላዕሊ ጠቓሚ እዩ ።

💬ኩሉ ሰብ ነናቱ ተውህቦ ኣለዎ
ዓሳ ገረብ ኽሓኩር ኣይክእል ዩ ኢልካ ኑኡስ ዓቅሙ ትምዝምዞ እንተለኻ ኣተሓሳስባኻ ኢኻ ገሊጽካ::

💬ነቲ ዕቤትን ሓድሽ ኣጋጣምን ዚፈጥር ተመክሮታት ንምርካብ ምርምር ምግባር ኣድላዪ እዩ።

💬"ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ቀም ኣብል ። ንሓደ መዓልቲ ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ኺድ ። ንሓደ ዓመት ዚኸውን ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ሃብቲ ወረስ ። ናይ ዘልኣለም ሓጐስ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ካባኻ ዝደኽሙ ፍጡራት ሓግዝ::

💬"ሓደ ማዕጾ ሓጐስ ምስ ተዓጽወ ካልእ ማዕጾ ይኽፈት መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ እተኸፍተልና ኣይንርእዮን ኢና።"

💬ንህይወት ባህ እተብሎን እትሸገሮን ዚገብሮ ብድሆታት ንህይወት ትርጕም ከም ዚህልዋ ዚገብር እዩ።"

💬ክንነብረሉ እንኽእል እንኮ መገዲ እንተ ዓቢና ጥራይ እዩ ። ክንዓቢ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ እንተ ቐዪርና ጥራይ እዩ ። ክንልወጥ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ እንተ ተማሂርና ጥራይ እዩ ። ክንመሃሮ እንኽእል እንኮ መገዲ እንተ ተቓሊዕና ጥራይ እዩ ። ክንቃላዕ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ ኸኣ ንርእስና ኣብ ግዳም ምስ እነእትዋ ጥራይ እዩ።"

04/29/2021

❤️❤️❤️ብነጻ ክትዕወት ትደሊ ዶ ❤️❤️❤️

1 👉ቅኑዕ ኹን፡ ኣብ ሂወትካ
ዕዉት ሰብ ክትከውን ኢኻ።

2 👉ገርሂ ኹን፡ተንኮል ዘይምሕሳብካ
ከሐጉሰካ ዩ።

3 👉ፈቃር ኩን፡ንጽልኢ ዘይትደፍራ ሙኻንካ
ከጽድቀካ ዩ።

4 👉ለዋህ ኹን፡ ሰናይ ምግባርካ ሕልናኻ
ከቅስነካ ዩ።

5 👉ዓቃል ኩን፡ ተስፋ ዘይሙቅራጽካ
ኸዐውተካ ዩ።

6 👉ንፈጣሪ ኣመስግኖ ልዕሊ"ቲ መግቢ እትበልዖ ዕግበት ክትፈጥር ኢኻ።

7 👉መስተባሃሊ ኹን፡ትሕቴኻ ዘለዉ ሪኢኻ ምእንቲ
ክተመስግን።

8 👉ለጋስ ኩን፡ ኢድካ ሓሊፋ ኽትጸንሐካ ያ።

9👉ኣማኒ ኹን፡ ዘይምጥርጣርካ ኮኽራዓካ ዩ።

10👉ንስኻ ንነብስኻ ምሰል፡ሽዑ ትዕቢት ኣይክትቀርበካን ያ።

11👉ይቅሬታ ተጠቀም፡ቂምታ ዘይትሕዝ ሙኻንካ
ውሽጥኻ ክፎኽሰካ ዩ።

12👉ስለዚ ቁኑዕ ሰብ ኩን፡ሽዑ ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ
ቅንዕናኻ ሪኡ ፈጣሪ ከብርሆ ዩ ንመንገድኻ።

Want your business to be the top-listed Government Service in Seattle?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Website

Address


Seattle, WA
75001