11/02/2026
ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ዝተመዘት ፍልይቲ ተጸባጻቢት ኣብ ጉዳይ በይናዊ እገዳታት ፕሮፌ. ኤለና ዶሃን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተገብረላ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣካይዳ። ንሳ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸነሓትሉ ግዜ ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ክኢላታትን ሰፊሕን ዕዉትን ርክባት ከም ዘካየደት ተፈሊጡ።
Professor Alena Douhan on the Negative Impacts of Unilateral Coercive Measures
Professor Alena Douhan is the United Nations Special Rapporteur on the negative impact of unilateral coercive measures on the enjoyment of human rights. She is a professor of international law and a recognized expert on sanctions, human rights, and i
02/02/2026
ትኩርነት፡ ንጹርነትን ርእሰ-ምትእምማን
ካብ ጥቅምቲ 2023 ክሳብ ሕጂ ካብቲ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ “መንግስቲ ኢትዮጵያ” ኣንጻር ኤርትራ ብዘይምቁራጽ ዝተኻየደ ትንኮያታትን መግለጺታትን ንገለና ኣቓልቦና ስሒቡ ኣሻቒልና ጸኒሑ ይኸውን’ዩ። እቲ ብጠንባር ዕሽነትን ህንጡይነትን ዝብልዎ ዘረባታት ብእዝኒ ናይ ሓደ ስኹን ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ክስማዕ እንከሎ ስምዒት ዝፈጥር’ዃ እንተኾነ ደው ኢልና ብህድኣትን ርትዕን ንኹነታት ክንመዝን ግን ይግባእ። ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ስግኣት ክትኮና ከም ዘይትኽእል ምፍላጥ ይግበኣና። ነቲ ዘረባ ከም ኒንታ ናይ ጣንጡ ድቃስ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ ዝፍይዶ ዘይብሉ ተራ ረበሻ ጌርና ንርኣዮ። ንጉዳያት ልዕሊ እቲ ዝግብኦም ግምት ምሃብ ዋጋ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ቆዮቛ ዝጠፍእ ጸዓት ክህልወና ኣይግባእን።
ኣብ ዝርዝራት ከይኣተና ህሉዊ ስትራተጅያዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ ክውንነት ኢትዮጲያ እንተደኣ ብዝግባእ መዚንና ርኢናዮ፡ እቲ ዓጀወጀው ከም ፈኸራ’ውን እንተተወስደ፡ ካብ ጣቛ ናይ መደረ ሓሊፉ ከም ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል ስግኣት ጌርና ክንምልከቶ የብልናን።
እዚ ክንብል እንከለና ትኩርነትና ወይ ንኹነታት ብንቕሓት ምዕዛብ ንግደፎ ማለት ኣይኮነን። ትኩርነት ኣቐዲምካ ንዝመጽእ ምርኣይ እምበር ምሽቓል ማለት ስለ ዘይኮነ ትኩራት ምዃን ንቐጽለሉ። ሓበሬታ ምስናቕ፡ ዞባዊ ምዕባለታት ምክትታል፡ ቅሩብነትና ብቐጻሊ ምሕዳስን ምሕያልን ካብቶም ክንገብሮም ዘለና ጥንቑቓት ስጉምቲታት እዮም። ጻዕርና፡ ኣብ ንጹርነት ግንዛበ፡ ስጡም ኣረኣእያ ብዓቢኡ ከኣ ንኤርትራ ናጽነታን ልእላውነታን ክትዕቅብ ፡ንዘይዕጸፍ መኸተ ክትቅረብን ዘኽኣልዋ ተመኩሮታት ካብ ታሪኽ ምምሃርን ክሕይል ኣለዎ ።
ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመቶ፡ ኣብ መፈንጠራ ቆይቊ ንዘይምእታው ከም ህዝቢ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ብርእሰ-ምትእምማን ስቕ ምባል ነቲ ዝበሃል ምርዓም ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ፡ ኣብ ነብስኻ ምእማን፡ ሓይልኻ ምፍላጥን ንነገራት ከከም መጠኖም ግምት ምሃብን እዩ።ብንቑሓት መዘንቲ፡ ተንተንቲ ከምኡ ከኣ ድሉዋት ንኹን፣ ተሻቐልቲ ኣይንኹን። ብምንባሕ ከልቢ ኣንፈትን ፍጥነትን ጉዕዞኡ ዝልውጥ ገመል የለን። እቶም ንምንባሕ ከም ቁምነገራዊ ስራሕ ጸብጺቦም ወግሐ-ጸብሐ ዝነብሑ ይንብሑ፣ ንሕና ግን ስራሕና ንስራሕ።
30/01/2026
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ሎሚ ዕለት 30 ጥሪ 2026 ምስ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ Mr. Joachim Kercan ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኮረ ሰፊሕ ርክብ ኣካይዱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ኤምባሲ ብጾት ሰምሃር ተስፋይን ናድያ ሚክኤልን ክሳተፋ እንከለዋ ብወገን ስዊዘርላንድ ድማ Ms. Dominique Ernst ከምኡ’ውን Mr. Urs Bernhard ተሳቲፎም።
29/01/2026
ንጥፈታት ማሕበረ-ኮማት ስዊዘርላንድ
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ አብ ሰዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን አቶ ሃብቶም ዘርኣይ ብ25 ጥሪ ምስ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሉዘርን ኣብ ዝነበሮ ርክብ፣ ንሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ዞባናን ሃገርናን አመልኩቱ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ክሳብ ሕጂ ንዝተዓሙ መደባት ድሕሪ ምምስጋን፣ ሕጂውን ከም ወትሩ ንቕሓቶም አበሪኾም ብዝለዓለ ክሰርሑ አዘካኺሩ።
ኣባል ኤምባሲ ዲፕሎማት ፍረወይኒ ፍጹም ብወገና፣ ንዜጋታት ስሉጥን ጽፉፍን ቆንስላዊ አገልግሎት ንኽረኸቡ ምእንቲ ቤት ጽሕፈት ዝተፈላለየ ጻዕርታት የካየድ ከምዘሎ ደሕሪ ምሕባር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ንምዕዋት ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብያ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም ንዝተዋህቦም ዝረዝራዊ መብርሂ ድሕሪ ምምሰጋን ከም ወትሩ ንቕሓቶም አበሪኾም አብ ጎኒ ሃገሮምን መንግስቶምን ምህላዎም ደጊሞም አረጋጊጾም።
23/01/2026
ገላ ካብ ስእላዊ መግለጺ 4 ጥሪ 2026 ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ጀኔቫ።
14/11/2025
ብብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትርያርክ ዝተመርሐ ብጹእ ኣቡነ ታዴዎስ ገብረሂወት ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካን ሊቃነ ካህናት ዘሚክኤል ኣብራሃም ዝርከብዎ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ትማሊ 13 ሕዳር 2025 ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ጄኔቫ ተረኺቡ ብኽብሪ ተቐቢልዎም። ኣብቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኔይሮም።