Henos fikadu

Wegbeschreibung Kontaktieren Sie die Organisation
ሚኒስተር ሩቢዮ፡ ሉኣላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ክኽበር ጸዊዑ፣ ናብ ማዕቀፍ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ 2018 ድማ ኣዘኻኺሩ።ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ 2018 ይጽውዕ...
15/10/2026

ሚኒስተር ሩቢዮ፡ ሉኣላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ክኽበር ጸዊዑ፣ ናብ ማዕቀፍ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ 2018 ድማ ኣዘኻኺሩ።
ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ 2018 ይጽውዕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ጎረባብተን ከኽብራ ጸዊዑ። እዚ ጻውዒት እዚ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓለ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኩሎም ወገናት ወጥሪ ከህድኡን ብዘተ ፍታሕ ክደልዩን ዝጽውዕ እዩ።
ልኡል ጉዳይ ሉኣላውነት፡ ናብ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ 2018 ይጽውዕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ጎረባብተን ከኽብራ ጸዊዑ። እዚ ጻውዒት እዚ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓለ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኩሎም ወገናት ወጥሪ ከህድኡን ብዘተ ፍታሕ ክደልዩን ዝጽውዕ እዩ።
ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ «ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ጎረባብተን ከኽብራ፡ ዶብ ሰጊርካ ካብ ምእታው ድማ ክቑጠባ ኣለወን» ኢሉ። ከም መግለጺ መምርሒ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ «እቲ ዞባ ተወሳኺ ግጭት ክጻወር ኣይክእልን እዩ» ኢሉ እውን ኣጠንቂቑ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ «ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ጎረባብተን ከኽብራ፡ ዶብ ሰጊርካ ካብ ምእታው ድማ ክቑጠባ ኣለወን» ኢሉ። ከም መግለጺ መምርሒ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ «እቲ ዞባ ተወሳኺ ግጭት ክጻወር ኣይክእልን እዩ» ኢሉ እውን ኣጠንቂቑ።

ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝነበረ መርገጺና ንኢሰያስ ዋላ ምስ ሸይጣን ኮይንና ክንኣልዮ ኣሎና እዩ ዝነበረ ። ግዲ እቲ ሸይጣን ዝርከብ ኣይመሰሎምን በዛ ሓሳብ ንፈላለ ኣይነበርናን ...
14/10/2026

ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝነበረ መርገጺና ንኢሰያስ ዋላ ምስ ሸይጣን ኮይንና ክንኣልዮ ኣሎና እዩ ዝነበረ ። ግዲ እቲ ሸይጣን ዝርከብ ኣይመሰሎምን በዛ ሓሳብ ንፈላለ ኣይነበርናን ። ሕጂ ተረኺቡስ ከጥፍኣልና እንዳተጸበና ሃንደበታዊ ቅይር ኢሎምና ፡ በዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ተኾይኑ ኣይንሰማማዕን ኢና እዚ ሃገርና እንተኣትዩ ክጭፍጭፈና'ዩ፡እንተኣትዩ ኣይወጽእን'ዩ ክኣ ይውስኹላ ፡ ዋእ ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ ጨፍጫፊ ኣሎ ድዩ ? ህዝቢ ኣሚኑ ሱቕ ኢሉ ንዝርኣዩ ሓረገጽ ንልዕሊ 35 ዓመት ዝጭፍጭፎ ዘሎ ኢሰያስ መንከ ኣሎ ኣብ'ዛ ዓለም ዝወደዳሮ ?

ኣብይ እንተኣትዩ ኣይወጽእን እዩ ትብሉ ድማ ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቋንቁኡ ዝዛረብ'ዩ ዘጸግሞ'ምበር ነዞም ካልእ ቋንቋ ተዛረብቲ ኣብኦም በጺሑ ኣይምተጸገመን ፡ ሽዑ ኽኣእዩ ዝሓብርን ዝሰማማዕን ግዲ በቲ ቋንቋ ዘሽክዖም ኮይኑ ፡፡

ብምንታይ ኢኹም ክእለይ ትደልዩ እንተበልናኩም ብሰላማዊ ሰልፊ ( ብዳውንዳውን ኢሰያስ ) ትብሉና ወይ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ክኣ ትውስኹላ ። ዓቕሚ እንተረኺብና ብሓይሊ ክንኣልዮ ተበልና ኖእ ብሓይሊ ክእለይ እንተኾይኑ ዉን ብኤርትራውታን እምበር ብኢትዮጵያውያን ክኸዉን የብሉን ትብሉ ፡ ምስቶም ሃገራውያን ኢሎም ንነብሶም ዝጽውዕዋ ደገፍቲ ህግድፍ ትማሊ ተደምረናል ዝብሉ ዝነበሩ ፡ ምስ ኢትዮጵያውያ ፡ ምስቶም (ጽምዶ ) ተጸሚድና ኣለና ዝበሉ ሃገራውያን ተሳኒኹም ኣለኹም ሽፋ ይግበረልኩ መመንገድና ንሓዝ ። ንኢሰያስ ምምእላይ ንሶም ብዝመረጽልኩም ክሳብ ትረኽቡ ተጸበይዎም ።

እቶም ኣብ መርገጺና ገጥ ዝበልና ንዓማጺ ስርዓት ብዓመጽ ጥራይ ከምዝእለ ንኣምን ደለይቲ ለውጢ ግን እንተኾይኑልና ምስ እስራኤላውያን፡ ኢትዮጵያውያን ፡ ኢማራትን ሕራይ እንተኢሎምና ዉን ምስ ኣሜሪካውያን ኮይና ክንኣልዮ ክንቃለስ ኢና ። ንኢሰያስ ምእላይ ንመርጸሉ ወለሓደ የለን ። ኣብ ገዛኻ ዘላ ኣንጭዋ ተኺኢልካ ባዕልኻ ፡ ተዘይክኢልካ ጻዕዳ ድሙዶ ጸላም ድሙ ክትብል ሎቖታኻ ቀዲዳ ንብረትካ የዕንያ ከይኣኽላ ተመን ዉን ክትጽውዓልካ ትኽእልያ ።
ልኡላውነት ፡ ባሕሪ ፡ ወደብ
እቲ ልኡላውነት ልዕሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ልኡላውነት ብኢሰያስ ዝተጣሕሰ የለን ።

ባሕሪ ንኤርትራዊ ባንዴራ ሒዙ ንኽስኣለሉ'ምበር ክጥቀመሉ ወይ ክረብሓሉ ኢሰያስ ኣየፍቅደሉን እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ንኸይረብሓሉ ኢሰይስ ብፖሊሲ ደረጃ ኣቐሚጥዎ'ዩ ። ጅቡቲ ሓላል ይግበረላ ንሰለስተ ቢልዮን ንዓመት ኢለ ወደብ ንኢትዮጵያ ኣይከፍቶን እየ ኢልኩም እዩ ኣኸለ ዝቕየር ፖሊሲ የለን ።

ብወገና ቅድም ቀዳድም ሰብ ክቡር ስለዝኾነ ንህዝብና ሓራ ክወጽእ ክንሰርሕ ኢና ንሰርሕ ዉን ኣለና ። ሩባን ኩርባን ድሕሪ ፍጡር ወዲ ሰብ'ዩ ስለዝራዕ ። እቶም ምስ'ዚ ሓሳብ ተፈሊናኩም ዘለና ኣይትቐየሙልና መርገጺና ናይዝኾነ'ዩ ፡ ወዲ ሰብ ኣብቲ ዝኣምነሉ ዕላማ ወለቕዘለቕ ከይበለ ኣብ መትከሉ ቅጸንዕ ኣለዎ ። ንወደብን ባሕርን ክንብል ዕድመ ስልጣን ኢሰያስን ህግድፍን ከነናውሕ ኣይምርጫናን'ዩ ። ንህዝብና መስተርሆት ዝፈጥር ክመጽእ እንከሎ ቀዳምነትና ንሱ ስለዝኾነ ዓይንና ኣይክንሓስየሉን ኢና ።

ኣበይሞ ኣብይ መህረፍ ተዝገብሮ ።

ኣብይ ህርፋን ጌሩ ድኣ ከይገድፈና ንሰግእ ኣለና'ምበር ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ መከራ'ዚ ዘውጽኦ ሃንቀው ኢሉ ይጽበ'ሎ ። ብመስዋእቲን ስንክልናን ደቃ ዝመጸት ሃገር ንበላዒ ኣይንህባን ትብል ዘረባ ትደጋገም እያ ። እቶም ስውኣት ዝገደፍዎም ስድራ ደቆም ምሳና ተሰዲዶም ኣለዉ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ይኾኑ ኣለዉ ። ስንኩላን ክርሸኑ ሱቕ ኢልና ርኢና ፡ ስንኩላን ብልብያ ክመጹ ርኢና ፡ ስለዚ ነዚ ኹሉ ዝገብር ስርዓት ክጠፍእ ስለምንታ'ዩ ዘይድለ ዘሎ ?

ስጋተይ ኣብ ኢሰያስን ኣብይን

ኣብይ ምስ ኢሰያስ ክትዓረቐሉ ዝኽእል ተኽእሎ ኣሎ ይመስለኒ ። ኢሰያስ ገይም ኦቨር ክብል ከሎ ንህውሓት'ዩ ከጥፍእ ኣንቂዱ ተላዒሉ ኔሩ ጀሚሩ ምሰፋረቖ ክኣ ተኾሊፍና ትብል ቃል ሰሚዕና ። ንኣብይ ንፕሪቶርያ ኬድካ ኢሉ ጸሊእዎን ተባኢሶም ኢልና ንኣምን ፡ ንኣብይ ጸሊእዎ ብኣወል ይጽረፎ'ምበር ኣይተባእሶን ። ሕጂ ዘይትዓረቕሉ ምኽንያት እንታይ ኣለዎም ትብሉ ? ህውሓት ዝርካባ ቆርያ'ያ ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ናይ ፋኖ ጉሪላ ኮይና ክትምህምን እያ ትትስእ ኣይመስለንን ። እቶም ተረፍ ሃዲሞም ናብ ኢሰያስ ከይደሞ ኣለዉ ፡ ሕጂ ሓኒቑ ብኽሳዶም ንኣብይ ኣረኪቡ ፡ እታ ናይ ስዑዲ ዝተፈራረሙላ ዉዕሎም ከተግብርዋ እንታይ የጸግሞም ።

ሕጂ እንታይ'ዩ ዘባእሶም ዘሎ ኢልኩም'ዶ ትሓስቡ ከምዝኸማይ ?

መልሰይ ፡ ዘሎ ኣይመስለንን እቲ ባሕርና ወደብና ትብልዎ ቅድሚሕጂ ንዓኻዩ ኢልዎ'ዩ ፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኢልዎ'ዩ ። እንታይ ዳኣሉ ዘባእሶም ዘሎ ? ? ? እዚ ሕቶዚ መልሲ እንተረኺብናሉ መዕለቢ ናይዚ ገጭት መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና ።
ዓለም
ሕጂ ዓለም ትውስኖ ዉሳኒ ወይ ተምጽኦ ኣታዓራቒ ሓሳብ ፡ ንኣብይ ባሕሪ ወይ ወደብ ከነውህበካ ኢና ኣፍደገ ባሕሪ ኢሰያስ ሕራይ ኢሉ ኣሎ ኩናት ደው ኣብሎ እንተኢሎም ሕራይ ናይ ምባል ተርኡ 80% ዝቕበሎ ይመስለኒ ። እቲ 20% ብዓል ጻድቃንን ባጫን ግን ኣስመራ ኣቲና ንኢሰያስ ከየጥፋእናዮ ኣየቕስነናን እዩ ንሃቦም ። ምኽንያቱ ነዞም ኩለን ዝቱኽቱኻና ሃገራት ንቐርኒ ኣፍሪቃ ዝህዉኹ ሽበራውያይ ዘዕጥቖም ንሱ ኢሰያስ ስለዝኾነ ። ንኣልሸባብ ፡ንተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ። ንተቓወምቲ ሱዳን ፡ ንሑቲ የመን ፡ ንኡጉጉሙ ጁቡቲ ካልኦት ስለዚ ካምዚ ናይ ቨንዝዌላ ማዱሮ ንግበሮ ክብሉ ትጽበዮም ኢኻ ።
ኢሰያስ
እዚ ጽሉል ከልቢ ኣብቲ ጸልማትን ከቢድን እዋን ብኸመይ ተዓጻጺፉ ይወጽእ ኣጸቢቑ'ዩ ዝፈልጥ ። ውዕል ኣልጀርስ ምስ መለስ ክፈራረም ከሎ ንዘክር ኢህወደግ ባረንቱ ክበጽሑ ከለዉ ኢሰያስ ጥራይ ኩናት ደው ኣብልዎ'ምበር 25 ኪሎ ክመለስ እየ ሕራይ ንስልጣነይ ጥራይ ኣይተፈታተንኑ ኢሉ ወጺእዋ ። ሕጂ ንኢሰያስ በዚ ዘለዎ ብኣብይ ዓብላልነት ናይ ኩናት ናይ ግድንዩ ተዓጻጺፉ ክወጽእን ኣፍደገ ባሕሪ ክህቦን ።

ኣብ መደምደምታ ህዝብና ሃገርና ኣይንጸልእን ኢና ቀዳምነትና ግን ህዝብና ንምድሓን ክኸዉን ኣለዎ ። ምስ ዝኾነ ኮይና ንኢሰያስን ኮራኹሩን ምእላይ ኣኸለ ። ሕጂ ርእይቶኹም ብኣኽብሮት ይጽበ ።

ምስዚኦም ዕርቂ ዘገበርካስ ነቲ ዘባረርካዮ ህዝቢ ንዓ ምሳና ኾይንካ ሃገር ነድሕን'ዶ ይብሃል'ዩ ?
13/10/2026

ምስዚኦም ዕርቂ ዘገበርካስ ነቲ ዘባረርካዮ ህዝቢ ንዓ ምሳና ኾይንካ ሃገር ነድሕን'ዶ ይብሃል'ዩ ?

ደብሪጽ ስራሕ ጀሚራ ይብሃል ኣሎ
11/10/2026

ደብሪጽ ስራሕ ጀሚራ ይብሃል ኣሎ

https://youtu.be/TPQamQTQ7lQ
06/10/2026

https://youtu.be/TPQamQTQ7lQ

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

ኢሰያስን ህውሓትን ካበይ ናበይነገራት ብናህሪ ይውንጨፍ ኣሎ ። ብዙሕ ምግልባጣታትን ፍጻሜታትን ክንርኢ ኢና ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣንፈቱ ክንጽር'ዩ። እቶም ህዝቢ ኤርትራ እ...
05/10/2026

ኢሰያስን ህውሓትን ካበይ ናበይ

ነገራት ብናህሪ ይውንጨፍ ኣሎ ። ብዙሕ ምግልባጣታትን ፍጻሜታትን ክንርኢ ኢና ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣንፈቱ ክንጽር'ዩ። እቶም ህዝቢ ኤርትራ እንዳሞ ሞት ክፈርሕ ተርዕድዎ ዘለኹም ዓገብ ንብለኩም ። ካብ ህግድፍ ዝጭክን ዝመጻና የለን ። ንኢሰያስን ህግድፍን ዝቐብር እንተመጺኡና ካምዛ ናይ ህውሓት ዘጓይየልና መርሓባ ካብ ምባል ዓይንና ኣይንሓስን ። እታ ባሕሪ ትብል ድማ ኣብ ኣሕመድ ደንቆሮ ኣይኮነን ብሓይሊ እንዳማቱ ወደብ ሒዙ ክቐስን ዝሓስብ ። ምስቲ ንህግድፍ ተኪኡ ዝመጽእ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ዉዕል ምፍርራም ጥራይ እዩ ዘድሊ ። ሕጂ ግን ህግድፍ ንዘልኣለም ምስ ህውሓት ክቕበር ክንድግፍ እዩ ይግባእና ። እንዳሞትና ሞት ኣይንፍራሕ። እቲ ኣብ ስቕቃይ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎ ህዝቢ ንርኣይ ። ህግድፍ ካብ ተመኩርኡ ንስልጣኑ ዝፈታተን ህሞት ክገጥሞ ከሎ ብኸመይ ተዓጻጺፉ ከምዝወጽእ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ'ዩ ። ሕጂ ንሓለፍቲ ህውሓት ንኣብይ ኣረኪቡ ምስ ኣብይ ክትዓረቕ ዝሓንኽ ከይመስለኩም ። ስለዚ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ነጥበ መቐይሮ ህዝቢ ኤርትራ ብልቦና ክንሓስበሉ ይግባእ ። እቲ ኣብዚ ኩናት ዝተዓዘብና ሰራዊት ፌደራልን TPFን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሰራዊት ኣብይን ኢሰያስን ፋኖን ዝፍጸምዎ ግፍን ጭፍጨፋን ይፍጸም ብዘይምህላዉ ክዕወቱን ብህዝቢ ክእመኑን ጌርዎም ዘሎ። ህዝቢ ኣብ ጎንኻ እንተሎ ዓጋቲ የብልካን ። ህውሓት ብህዝቢ ትግራይ ተፈንፊና እያ ዳግማይ ኣይክትምለስን እያ ። ባቀደሙ ዉን ኢሰያስ ከም ቸዝ እዩ ዝጻወተላ ኣይትቐብጾን እያ ንኢሰያስ ካብ 1981 ክሳብ ሕጂ 4 ግዜ እዩ ጠሊምዋ ።
1981 ንጀብሃ ንምጥፋእ ጸዊዑ ኣሳቲፍዋ
1982 ኣብ 6ይ ወራር ጸዊዑ ኣሳቲፍዋ
1985 ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት እንዳረገፈ እኽሊ ብሱዳን ከይኣቱ ከልኪልዋን መዕቆቢ ደጀን ከሊእዋን
1989 ኣብ መጥቃዕቲ ሽረ ሰራዊት ህግ ልኢኹ ሓጊዝዋ
1991 ምስ ኢህወደግ ተሓጋጊዙ ንኣዲስ ኣበባ ምቁፃር ህግ ተሳቲፉ
3/11/20 - 3/11/22 Game over ኢሉ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ንህውሓት ጨፍጪፍዋ
2024-2025 ፖሎቲካዊ ሕጽቦ ብምባል ህውሓት ፋሕፋሕ ከምትብል ጌርዋ ። ኣስዕቡ ተኾሊፍና ብምባል እቲ ዝተኾልፎ ብኸመይ ከምዘተግብሮ ብምውጣን ኣብ ወርሒ 6/2025 ጽምዶ ዝብል ጎስጓስ ጥቕሚ ኣልቦ ብሓደ ቢጋሚንዶ ተዋሳኣይ ብምፍብራኽ ንኹናት ከምዝዳለዉ ጌሩ ። ብወግዒ ዉዕል ፕሪቶርያ ኣፍሪስናዮ ኣለና ኢልኩም መግለጺ ኣውጽኡ ኢሉ ኢሰያስ ዝኣዘዞም ኣዊጆም ። ጥምረት 7 ሓይልታት ብምባል ንህውሓት ኣብ ጎልጎል ንበይና ከምትቕጻዕ ጌርዋ እንሆ ክትበታተን ንዕዘብ ኣሊና ። ስለዚ ብኢሰያስ ህውሓት መጻዊቲቱ ባምቡላ እያ ። ንህውሓት ከየጥፍኣ ደቂሱ ማለት ዘበት ፡ ምስ ምጥፋእ ህውሓት ክኣ ምቕያር ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ዓንቀጽ 39 ስለዝስዕብ ብድሕሪኡ እታ ዝምነያ ዓባይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ሓዊስካ ክስዕብ እዩ ። ጉዕዞ 60 ዓመት ንገድሊ ምውጻእ ሓዊስካ መኸተምታ ክረክብ እዩ ማለት'ዩ።
https://m.youtube.com/channel/UCRvHtD4Gc4NqSwwAFcqEgEg

27/09/2026
ኩልና ነዚ ጉዳይ ንተሓሓዞ ። ነዞም ደም ዘስተዩና ገበርቲ እከይ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ኣለዎም ። ብጸርፍን ዘለፋን ዘይኮና ብሕጊ ኣብ ዓዲ ሕጊ ነቕርቦም ። ክንደይ ዓመት ኣዋሪዶምና እዮም ።
13/04/2026

ኩልና ነዚ ጉዳይ ንተሓሓዞ ። ነዞም ደም ዘስተዩና ገበርቲ እከይ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ኣለዎም ። ብጸርፍን ዘለፋን ዘይኮና ብሕጊ ኣብ ዓዲ ሕጊ ነቕርቦም ። ክንደይ ዓመት ኣዋሪዶምና እዮም ።

Adresse

Zürich

Website

Benachrichtigungen

Erfahren Sie als Erste/r von Neuigkeiten und Aktionen: Wir schicken Ihnen eine E-Mail, wenn Henos fikadu etwas veröffentlicht. Ihre E-Mail-Adresse wird für keinen anderen Zweck verwendet, und Sie können sich jederzeit abmelden.

Kontaktieren Sie Die Organisation

Nachricht an Henos fikadu senden:

Verknüpfungen

Teilen