23/09/2026
ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከየፅነተን ከየምበርከኸን ክዓርፍ ዘይደሊ እዚ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት መቐፀልታ ናይቲ ትማሊ
ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም ብነፈርቲ፣ ድሮናትን መዳፍዕን ከካይዶ ዝውዓለ ፅዑቕ ደምዳባት ሎሚ ድማ
ብእግረኛ ተሰንዩ ኣብ ልዕሌና ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከፊቱ ኣሎ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን
ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራር ጀኖሳይድን ንኽምክት መምርሒ
ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ።