15/03/2024
እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና!!!
ጅግና ኣያና ሜጀር ጄነራል ክንፈ ዳኘው ሎመዓንቲ ተፈቲሑ ኣሎ!!
A Technocrat , Military Leader, and Industrialist
15/03/2024
እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና!!!
ጅግና ኣያና ሜጀር ጄነራል ክንፈ ዳኘው ሎመዓንቲ ተፈቲሑ ኣሎ!!
14/10/2020
04/10/2020
I no more expect such citizens(comrades) to understand me, for what is worth they still dont know who pm meles was & his thinking is
22/09/2020
ኣዴኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቅ...!!
***&***
ብኣሚኢት ዝቑፀሩ ሕልና እስረኛታት ተጋሩ ኣብ ከርሸለ ተዳጉኖም እናረአኻ እናሰመዐኻ ድምፆም ቡጩቕ እንተይበልኻ። ናይ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት ብቕልጡፍ ይፈትሑ፣ ፍትሒ ይርኸቡ እናበልኻ ኣብ ሚድያታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ነፍሕን ተርባዕባዕን ምግባር ትክክል ኣይኾነን። ኣዴኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቅ ዶ በሉ!
~ ~ ~ ~ ~
ካብ ጅሃር መሓመድ ተጋዳላይ ሜ/ጀነራል ክንፈ ዳኘው ይቐርበና፣ ካብ ኦሮሞ ሕልና እስረኛታት ተጋሩ ፖለቲካ እሱራት ይቐርቡና።
~ ~ ~ ~ ~
እስኪ ሓንቲ ሕቶ ክሓተኹም? ሓደ ኦሮሞታይ ተጋሩ ፖለቲካ እስረኛታት ይፈትሑ ዝበለ ኣሎ ዶ? ንተጋሩ ሕልና እስረኛታት ኣንሕና ድምፂ ዘይኾናዮም መን እማ እዩ ድምፂ ክኾኖም። ብስሩ'ቧ ኣማኢት ግዜ ጅሃር ጅሃር ...... ንብል ዘለና እንታይ ክስቢ ንምርካብ እዩ? ወዮ! ሎሚ ኾይኑ እምበር ጅሃር እኾ 2008 ዓ/ም ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ክስረቅ ገይሩ ተምሃሮን፣ መ/ራን ወለድን ናብ ዓብይ ስነ- ልቦና ውድቀት ዝዳረገን ኢህወዴግ ሃደሽደሽ ንክብል ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ፖለቲከኛን ንጡፍ ማሕበራዊ ሚድያን እዩ።
~ ~ ~ ~ ~
ብተወሳኺ 'ዉን ተጋሩ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምንም ገበን እንተይፈፀሙ ከም ተመን ብበትሪ ክቕጥቀጡ፣ ክፈናቀሉን ንብረቶም ክቃፀልን ዝገበሩ እል! በዓል ጅሃር መሓመድ ኣይኾኑን እንድዮም። ሕዚ በየናይ ዓይነት ቀመር እዩ ኣንሕና ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ንጅሃር ተሓለቕቲ ንኸውን ዘለና። ሕዚ እኾ ቃልሲ ከምኡ እዩ ዝብል ካድረ ኣይሰኣንን።😂
ፍትሒ ንተጋሩ ሕልና እስረኛታት!
{መ/ር ብ.መሓሪ}