ተምሃሮ ብቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ዝተሃነፀ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ብርሃን ንሕብረት ኣፍሪካ ዝሰርሕዎ ሙዚቃ
Ethiopian Press Agency/Tigrigna
Ethiopian Press Agency is a public media enterprise operating in Ethiopia. The agency has yet another by-monthly magazine, known as “Zemen” in Amharic.
Ethiopian Press Agency, established in 1940, is a public media enterprise operating in Ethiopia. It is the sole publisher of the only daily Amharic language newspaper known as “Addis Zemen.” The enterprise also publishes “The Ethiopian Herald”, a daily newspaper except on Mondays in English language. Among its tabloids are the weeklies: “Berissa”- in the local Affan Oromo; and “Al-Alem”- in the international Arabic languages.
ነበርቲ ከተማ ደጋሃቡር ብዛዕባ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እንታይ ኢሎም⁉️
ካብ ዘኹሩዑና ስራሕቲ እቲ ሓደ ፕሮጀክት ወሰን ሩባ 'ዩ
#ጋዜጣፕላስ
03/06/2026
“ነበር ፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝመርሕዎን 73 ኣባላት ዝሓዘን ልኡኽ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ንኸይዲ ህንፀት ዴሞክራሲና ንዘበርከትዎ ግልጋሎትን ኣበርክቶን ዝዓዘዘ ምስጋናና ነቕርብ”
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
03/06/2026
“እቲ ኸይዲ መረፃ ዝተረጋግአን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ’ዩ ነይሩ”
- ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ
+++++++++++++++++++++
| ኢትዮጵያ ዝገበረቶ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተረጋግአን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ከምዝነበረ ኣካቢ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኡሁሩ ኬንያታ ገሊፆም። እቲ መረፃ ኣሳታፍን ዲሞክራስያውን ኾይኑ ከምዝተዛዘመ 'ውን ሓቢሮም።
መራሒ እቲ ጉጅለ ነበር ፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሳታፊን ዲሞክራስያውን ኮይኑ ተዛዚሙ።
መራሒ እቲ ጉጅለ ነቲ ኸይዲ ብቴክኖሎጂ ንምምራሕ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣዝዩ ዘተባብዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ንመረፅቲ ብቴክኖሎጂ ንምምዝጋብ ዝተሰርሐ ስራሕ ቑፅሪ መረፅቲ ልዑል ክኸውን ከምዝገበረ ተዛሪቦም።
ቅድሚ መዓልቲ መረፃ ንመረፅቲ ዝተውሃበ ትምህርቲ እቲ ኸይዲ መረፃ ግልፅን ኣሳታፊን ክኸውን ከምዝገበሮ 'ውን ገሊፆም።
ድጋፍ ዝደልዩ ዜጋታትን ጉዱኣት ኣካልን ድምፆም ዋጋ ተዋሂብዎ ብቐዳምነት ክተኣናገዱ ምግባሩ ሓቛፋይነት ንምርግጋፅ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
ሓይልታት ፀጥታ፣ ፈፀምቲ መረፃ፣ ታዛብቲ መረፃ ብሓፈሻ ኣብቲ ኸይዲ መረፃ ዝተሳተፉ ኣካላት እቲ መረፃ ሰላማዊን ዲሞክራስያውን ክኸውን ዝገበርዎ ፃዕሪ ዝለዓለ 'ዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ኸይዲ መረፃ ዘርኣይዎ ጥንኩር ተሳትፎ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ዘርአይሉ ምዃኑ 'ውን ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ቅድሚ መዓልቲ መረፃ ዝተገበሩ ቕድመ-ምድላዋት ከምዝገምገመ ብምሕባር፤ ነቲ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እኹል ቅድመ-ምድላዋት ከምዝተገበረ ምርግጋፁ ተዛሪቦም።።
ኣብቲ መረፃ መላእ ኢትዮጵያውያን ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ዕዉትን ዲሞክራሲያውን መረፃ ከምዘካየዱ ሓቢሮም።
+++++++++++++++++++++++
#ጋዜጣፕላስ #ኢትዮጵያ #መረፃ #ዲሞክራሲ
03/06/2026
ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ኢጋድ መበል 7 ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ምዃኑ ገሊፁ
++++++++++++++++
| በዓል መዚ በይነ-መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተኻየደ መበል 7ይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ነቲ መረፃ ብዝምልከት ዘዳለዎ ናይ መጀመርታ ብርኪ ፀብፃብ ምልከታ መረፃ ዕላዊ ገይሩ።
ጉጅለ ተዓዘብቲ ኢጋድ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ብሄራዊ ቦርድ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ናይ ሎሚዓመት መረፃ ኣብ ምድላውን ምፍፃምን መዳይ ንዘርአዮ ላዕለዋይ ምምሕዳራውን ተግባራውን ዓቕሚ ንኢዱ።
ኣካቢት ጉጅለ ተዓዘብቲ ኢጋድ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ ካዙቤ (ዶ/ር) ከምዝገለፀኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዓዘብኦ መረፃ ልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝተረኣየሉ 'ዩ።
እተን ኣካቢት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ብዝበፅሖ ፃውዒት መሰረት 26 ናይ ሓፂር እዋን ተዓዘብቲ ዝሓቖፈ ጉጅለ ብምውፋር ነቲ ኸይዲ እናተኸታተለ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ኣብቲ መረፃ ንዝተራእዩ ምምሕዳራዊ ምምሕያሻት ንኢደን።
እቲ ቦርድ ኣብ ትሕቲ ኣፀጋሚ ኩነታት እንተኾነ 'ውን ኣብ 501 ክልላት መረፃ ውሽጢ ናብ 52 ሽሕ ዝፅግዑ ጣብያታት መረፃ ብዕዉት ኩነታት ኣብ ስራሕ ከምዘውዐለ እቲ ጉጅለ ኣብ ፀብፃቡ ኣመላኺቱ።
++++++++++++++
#መረፃኢትዮጵያ #ኢጋድ #ተሳትፎህዝቢ
ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ...
03/06/2026
መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ንነበር ፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን መሳርሕቶምን ብምርካበይ ዓብዪ ሓጎስ ይስምዐኒ። ኡሁሩ ኬንያታ ዝመርሕዎን 73 ኣባላት ዝሓዘን ልኡኽ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ንኸይዲ ህንፀት ዴሞክራሲና ንዘበርከትዎ ግልጋሎትን ኣበርክቶን ዝለዓለ ምስጋናና ነቕርብ።
ዴሞክራሲያዊ ኸይድታት ምስ ህልዊ ኣህጉራዊ ኩነታትን ተመኩሮን ዝተጠዓዓሙ ንክኾኑ ንምግባር ኣፍሪካዊ ትካላት ቑልፊ ግደ ይፃወቱ። ኸይዲ መረፃና ንምድጋፍ ኣብ መላእ ሃገርና ተዓዘብቲ ብምውፋር እቲ መረፃ ዝዕዘብ ልኡኽ ንዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣፍልጦን ኣድናቖትን እናሃብና፤ ናይቲ ምልከታ ዝተማልአ ውፅኢት ንፅበ።
03/06/2026
“ኢትዮጵያ ዝተለመቶ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ዝረጋገፅ ዝባኽን ግዜ እንተዘይሃልዩና 'ዩ”
- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
03/06/2026
“ካብቲ መረፃ ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ሃገር ዘረጋግፅ መንግስቲ ትፅቢት ንገብር”
- ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭ
++++++++++++++
| 24 ጉንበት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ መረፅቲ ንጉሆ ገስጊሶም ኣብ ጣብያታት መረፃ ተረኺቦም ድምፆም እናሃቡ ውዒሎም። ካብቲ መረፃ ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ሃገር ዘረጋግፅ መንግስቲ ትፅቢት ከምዝገብሩ 'ውን ገሊፆም።
ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዘዘራረበን ነባሪት ከተማ ኣርባምንጭ ወይዘሮ ክበቧ አባተ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ንጉሆ ገስጊሰን ኣብ ጣብያ መረፃ ብምርካብ ብዘይ ዝኾነ ምንግልታዕ ድምፀን ብኣግባቡ ምሃበን ገሊፀን።
ካብቶም ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትፅቢት ዝግበር እቲ ዝዓበየ ቁምነገር ንውፅኢት እቲ መረፃ ብፀጋ ምቕባል ምዃኑ ብምሕባር፤ ንሕና 'ውን ብዝሃብናዮ ድምፂ ንፅበዮ መልሲ ንሰላም፣ ዘላቒ ልምዓትን ዕብየትን ሃገር ' ዩ ኢለን።
ንልምዓት፣ ብልፅግናን ዕብየትን ሃገር ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ 'ዩ ንዝበልኦ ኣካል ከምዝመረፃ 'ውን ሓቢረ።
ኻልእ ነባራይ እታ ከተማ ኣይተ በዛብህ ሻዶ ብወገኖም፤ "ንሃገር ብጥንቃቐ ዘመሓድር፣ ድሕንነትን ሰላምን ሃገር ዘኽብር ሰናይ መንግስቲ ትፅቢት ንገብር" ኢሎም።
ዝተወሃቦም ዕድል ተጠቒሞም ድምፂ ምሃቦምን ኸይዱ 'ውን ኣዝዩ ብፅቡቕ ኩነታት ከምዝተዛዘመን ገሊፆም።
ኣብ መዓልቲ መረፃ ካብ ለይቲ ትሽዓተ ሰዓት ጀሚራ ብምስላፍ ድምፃ ከምዝሃበት ዝገለፀት የኔነሽ ኣሻግሬ፤ ውፅኢት እቲ መረፃ ንዕብየት ሃገርናን እታ ከተማ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዘበርክት ትፅቢት ከምትገብር ተዛሪባ።
ኣብ ጣብያ ጫሞ ጣብያ መረፃ ቁጠባ ቀዳማይ መራፂ ከምዝነበሩ ዝገለፁልና ኣይተ ማርቆስ ካንቾ፤ "ብለይቲ ተላዒለ ብምስላፍ ዝመረፅኩ ንሃገርናን ንከተማናን ልምዓት፣ ዕብየትን ሰናይ ምሕደራን ክመፅእ ኢለ 'ዩ" ኢሎም።
ድሕሪ ውፅኢት መረፃ 'ውን ዝፅበይዎ ነዚ ምዃኑ ብምግላፅ፤ “ውፅኢቱ ዝኾነ ይኹን ኩላትና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና” ክብሉ 'ውን ኣተሓሳሲቦም።
++++++++++++++
Click here to claim your Sponsored Listing.
Location
Contact the business
Website
Address
Ethiopian
Addis Ababa
