Dehay democrasiyawit Eritrea

Dehay  democrasiyawit Eritrea

Share

media for democratic change in eritrea

Photos from Dehay  democrasiyawit Eritrea's post 25/11/2014
Photos from Dehay  democrasiyawit Eritrea's post 25/11/2014

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ካብ 08-12 ሕዳር 2014 ኣብ ዘሎ ግዝያት፡ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ደግሓኤ ድሕሪ ኣኼብኡ ኣኣብ ዘውጽኦ ደምዳም መግለጺ ብፍላይ ንኩነታት ኤሃባደለ ብዝምልከት ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣስፊሩ ከምዘሎ ካብ ደሞክራሲያ ዶት ኦርግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ።

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
.............................
ማእከላይ መሪሕነት (ደግሓኤ) ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ ንህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንህልዊ ኩነታት ኤዲኪን ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን ኣብ ምቛም ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላልን ብዕምቆት ተገንዘቡ።ሓያልን ድኹምን ጎኒ ናይ’ዚ ግንባራት እዚ ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ጸገማቱ ፈቲሑ ናብ ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ባይታ ክሰጋገር ዕቱብ ጻዕርታት ዝሓተት ዘሎ ምዃኑ ተገንዚቡ።ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ውሽጣዊ ጽገማቱ ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ብምጽዋዕ መዕለቢ ክገብረሎም ዝገብሮም ዘሎ ጻዕርታት ዝተባብዑ ምዃኖም ማእከላይ መሪሕነት ደገፉ ገሊጹ።
ይኹን ደኣ-እምበር ኣብ ክሊ’ዞም ዝረኣዩ ዘለው ኣፋላላይ ተጻቢቦም ኩሉ ኣባል ባይቶ ናብ እዚ ተጸዊዑ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ክኣቱ እቲ ዝሓሸን ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ቅድሚ ጉባኤ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ መድረኽ ብምዃኑ እቲ ተሪፉ ዘሎ ናይ ግዜ ህጹጽ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶ ይኹኑ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ተመሳሳሊ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ዘለዎም ናይ ምርድዳእ ኣፍደጊኦም ክፉት ብምግባርን ብምልዛብን ናብ ሓባራዊ መድረኽ ህጹጽ ኣኼባ ክስገር ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ከይተሓለለ ኣብ ምጽባቡ ጻዕርታቱ ክብ ከብል ኣዘኻኺሩ። ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ከኣ ካብ ጸቢብ ሕሳባትን ዘይሃናጺ ውድድራትን ሕሉፍ ኣሉታዊ ኣሰራትን ድሒኑ ማእከሉ ዕላማታት ባይቶ፡ “ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን’’ ገይሩ ካብ ዝተሓለለኸ ኣዛራብን ሕቶ ሕጋውነት ድሒኑ ንፖለቲካዊ ፍትሓት ቀዳምነት ሂቡ ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ክዋሳእ ማኣከላይ መሪሕነት ጸዊዑ።

Photos from Dehay  democrasiyawit Eritrea's post 07/11/2014

Eritrean National Council for Democratic Change
Administration of Europe Zone
ዕለት፡ 20 ጥቅምቲ 2014
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ኣብ ሽወደን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሽወደን ዝሰርዖ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድነታት ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ በሺር ኢስሓቕን ዝመረሕዎን ብርክት ዝበለ
ተሳተፍቲ ዝነበሩን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተቓኒዑ።
ኣኼባ ብዝኽሪ’ቲ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ብሞት ዝተፈለየና ስዉእ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ቱርኪ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ኣቦ
መንበር ሽማግለ ጨንፈር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣብ ሽወደን ኣቶ የውሃንስ
ዮሴፍ ብናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ቃል ብምቕራብ፡ ንኣጋይሽና ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ፈጻሚ
ቤት ጽሕፈትን ኣቶ በሺር ይስሓቕ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናትትን ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምልላይ፡ ከም’ቲ
ተሓቢሩ ዝነበረ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ም/ኣ/መ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት
ኣብ’ዚ ኣኼባ ክረከብ ዘይምኽኣሉ ሓቢሩ። ቀጺሉ መድረኽ ንዶር. ዩሱፍን ኣቶ በሺርን ብምትሕልላፍ፡
ብዛዕባ’ዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ፡-
1- ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ኣብ ፖለቲካውን፡ቁጠባውን፣ጸጥታውን፣ማሕበራውን መደያት
ትሓልፎ ዘላ ቅልውላውን፡ ንሓደንት ሃገርናን መጻኢ ዕዳላን ዝብድህ ዘሎ ኩነታትን፤
2- ኣብ ዞናና ተኸሲቶም ዘለዉ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን ኣውንታውን ኣሉታውን ጽልዋታቶም ኣብ ልዕሊ
ኤርትራ፤
3- ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብጣቕላላ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታት ድማ ብፍላይ፣
ብምድህሳስ፡ ኤሃባደለ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝሓለፉ ተመክሮን ኣብ ዕማማቱ ዘጋጠሙ ጸገማትን
ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣገዳስነት ምክያድ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ከም መእተዊ ነቲ ኣብ
ቀረባ ግዜ ክካየድ ኣብ መደብ ዘሎ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ምዃኑ ምግላጽ፤
4- ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካል፡ ናይ ኩሎም ሃገራውያን
ሓይልታት ነዊሕን ዘይተሓለለን ቃልሲ ብምክያድ ዝተረጋገጸ ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካል ከም ምዃኑ
መጠን፡ ንምብርዓኑ ይኹን ንምፍራሱ ዝገብር ፈተነታት እንተሎ ብሓባር ክንምክቶ ይግባእ ድሕሪ
ምባል፡ ጉዕዝኡ ንምስትኽኻልን፡ ኣሰራርሕኡ ንምምሕያሽን ግን ርእይቶ ይኹን ሃናጺ ነቐፌታን ኩሉ
ግዜ ቅቡሉን ተደላይን ምዃኑ ምርግጋጽ።
ነዘን ዝተጠቕሳ ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ኣቶ በሺር ኢስሓቕን፡ ንሃገራዊ
ባይቶ ከተፍርስ ምሕሳብ፡ ንተስፋታትን ባህግታትን ህዝብና ከም ምብርዓን ኢዩ ዝቝጸር ድሕሪ ምባል፡ ኩሉ
ዓቕምታት ህዝብና፡ ብፍላይ’ውን ናይ ደቂ እንስትዮናን መንእሰያትናን ዓቕሚ፡ ጉዕዞ ሃገራዊ ባይቶ
ንምቅልጣፍን፡ ሃገራዊ ግዲኡ ንምዕዛዝን፡ ሞራላውን ንዋታውን ኣስተዋጽኡ ክንገብር ጻዕርታትና ክብ ከነብል
ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ኣብ መደምደምታ፡ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን ብምኽፋት፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ርእይቶን
ሕቶን ቀሪቡ። ካብ መራሕቲ ኣኼባ ድማ ኣዕጋቢ መልስታት ረኺቡ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ዞባ ኤውሮጳ
ክፍሊ ዕዮ ዜና
المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي
إدارة إقليم أوروبا
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ

Photos from Dehay  democrasiyawit Eritrea's post 06/08/2014

ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤሃባደለ 23-24 ሓምለ 2014
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤሃባደለ ካብ ዕለት 23-24 ሓምለ 2014 ዕውት ሰሚናር ኣካይዶም። ነዚ ሰሚናር ዝመርሐ ም/ኣ መንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤሃባድለ ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ሰሚናር ከምዝሓበሮ እዚ ሰሚናር ብቐንዱ ህዝብና ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ካልኣይ ጉባኤ ንምዕዋት ኣቐዲሞም ክሳላሰሉ ኣብ ዝግብኦም ጉዳያት ዝተኮረ ምይይጥ ንምጋብርን ብሓደ ኣረኣእያ ተጠሚርካ ካልኣይ ጉባኤ ንምዕዋት ብሓደ ኣንፈት ክንነጠፍ ንምግባር ምዃኑ ኣብሪሁ።
ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤሃባደለ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዘካየዶ ምይይጥ ካብዚ ዕለት’ዚ ክሳብ ዕለት ጉባኤ ዘሎ መደባት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ብዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ኣጀንዳ ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዝተራእዩ ቀንዲ ጸገማት ብዕምቖት ድሕሪ ምግምጋም ዝበጽሓሉ ናይ ሓባር ተረድኦ ኣዝዩ ጠቓምን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ካልይ ጉባኤ ንምዕዋት ዝሕግዝ ከምዝኾነን ካብዚ ሰሚናር ዝተረኽቡ ኣገደስቲ ሓሳባት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብቲ ሒዛቶ ዘላ መደባት ኣካቲታ ክትሰርሓሉ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ዕላማ ናይዚ ሰሚናር ምንባሩ ተጠቒሱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ኣብ ካልኦት ዞባታትና ክካየድ ከምዘለዎ እውን ካብቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ተታሒዙ ዘሎ መደባት ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ሰሚናር ቀዳማይ ናይ ምምኽኻር ሰሚናር ንምዕዋት ካልኣይ ጉባኤ ኤሃባደለ ተባሂሉ ከምዝተጸወዐን ብድሕርዚውን ተኽታተልቲ ሰሚናራት ክግበር ተመዲቡ ምህላው ተሓቢሩ ።

ኣብ ሰሚናር ካብ ዝተዘርበሎም ኣርእስትታትን ዝተበጽሓሉ ናይ ሓባር ተረድኦን ብዝርዝር ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሚናር ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።
1. ኤሃባደለ ዝተመደበሉ ዕማም ፈጺሙዶ?ኣብዚ ኣርእስቲ ኣሚቕ ምይይጥ ተካይዱ። በቲ ካብ ተሳተፍቲ ብዝርዝር ዝቐረበ ምኽንያታት ድማ ኤሃባደለ ዝተመደበሉ ዕማማ ከምቲ ዝድለ ከምዘይፈጸመ ብመብዛሕትኡ ተሳታፊ ሰሚናር ዝተሰማማዓሉ ነጥቢ ኮነ። እቲ ካብ ዋዕላ ዝተገብረሉ ግዜ ጅሚሩ ክሳብ ሕጂ እናተሰጋገረ ዝመጽአ ጸገማት ብዝግባእ ብምልላይ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ንኽይድገም ምግባርን ፡ ነዚ ንምዕዋት ዝሕግዝ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰሚናራት ብቐጻሊ ክካየዱ ከምዝግባእን ውጽኢቶም ድማ ክዝርጋሕ ከምዘለዎን ተሳተፍቲ ሰሚናር ብምልኣት ተሳማሚዖምሉ።ፈጻሚ ቢት ጽሕፈት ንዝቕጽል መድረኽ ካብ ሕጂ ክሳብ ዕለተ ጉባኤ መደባቱ ሰሪዑ ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብቕረረባ ክነጥፍን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።



ካልእ ኣብዚ ሰሚናር ዉዕውዕ ክትዓት ዝተኻየደሎምን ንዝተነጸሩ ጸገማትን ምኽንያቶምን ብምግምጋም ብተመሳሳሊ ናይ መፍትሒ ሪእቶታትን ዝሳላሰለሉ መንገዲ ዝሕብር ሓሳባት ዝቕረበሎም ኣርእስትታት

• ንምይይጥ ዝሕግዝ ሕቶታትን ሪእቶታትን ምእካብ፡
ሀ. ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ተታሒዞም ዝወጹ ሰነዳት እንታይ ጉድለት ነይርዎም?
ለ. ቀዳማይ ጉባኤ ሒዝዎ ዝወጸ ተረድኦታትን ኣብ ጉዕዞ ዝነበሮ ጽልዋታት እንታዩ?
• ተራ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ጉዕዞ ኤሃባደለ ከመይ ጸኒሑ እንታይ’ከ ክኸውን ኔርዎ?
• ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ዝነበረ ቁጽሪ ተጋባእቲ ከምኡ ድማ ቁጽሪ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣድማዕን ግብራዊን ዶ ኔሩ? ንዝመጽእ’ከ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ?
• መሪሕነት ባይቶን /መሪሕነት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካልት / ትካላት ክኽዕኑ ናይ ግድን ድዩ? ዝሓይስ መተካእታ ኣሎዶ? ወይስ ሓላፍነቶም ብዝግባእ ምንጻር ጥራሕ ነቲ ሽግር ክፈትሕ ይኽእል? ኣብዚ ኣርእስቲ ከምቲ ዝጸንሖ ምኽታል ናይ ግድን እኳ ኣንተዘይኮነ ክልቲኡ ዓይነት ቅርጽታት ነናቱ ኣኣወንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናት ከምዘለዎ ፈሊጥና ንዝያዳ መጽናዕትን ምርድዳእን ተገዲፉ ኣሎ።
• ቂጽሪ ኣባልት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክንደይ እንተኾነ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን።
• ካልኣይ ጉባኤ ኣብቲ ተታሒዙሉ ዘሎ ግዜ ንኽግበር ዘሎ ተኽእሎታት?
• ካልኣይ ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ኢድ ዘሎ ተኽእሎን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተራ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን እንታ’ዩ?
• ኣቐዲሙ ካብ ዝተትሓዘ ኣጀንዳ ወጻኢ ድሒሩ ካብ መንጎ ተሳተፍቲ ዝተልዓለ፡ንብነት ከም ጉዳይ ኣሰናዳኢት ሽማግለዝኣመሰሉ ኣርእስትታት ተላዒሎም ዓሚቕ ክትዕን ናይ ሓባር ዕግበት ዝተበጽሓሎም ኔሮም።
• ኣብ መወዳእታ ፡ ኣብዚ ሓጺር ሰሚናር ክብሃል ዘይተክኣለ ብዙሕ ርእይቶታትን ሓሳባትን ክህልው ከምዝኽእል ብምእማን ብፍላይ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝሕግዝ ብሓፈሽኡ ከኣ ንሓፈሻዊ ጉዕዞ ኤሃባደለ ንምዕዛዝ ምእንቲ ክከኣል ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብጽሑፍ ክስደድ ጻዊዒት ቀሪቡ። ብዘይካዚ ብርክት ዝበሉ ለበዋታት ከም ዝተመዝገቡን ብፍላይ ከኣ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ቀልጢፉ ናብ ባይታ ውሪዱ እቲ ናይ ሰነዳት ምይይጥ ክጀምሮ ከም መተሓሳሰቢ ቐሪቡ።
ቤ/ጽ ክፍሊ ዜና ባይቶ
ኣዲስ ኣበባ

Photos 11/07/2014
Want your business to be the top-listed Government Service in Addis Ababa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Telephone

Website

Address


Addis Ababa
251