Redae W. Halefom

Directions Contact the organization

Redae W. Halefom ንሕሊናኻን ንዓላማኻን ንበር!!

28/06/2026

መናእሰይን ምሁራትን ናብ ቅድሚት ይምፅኡ ምባል ንመን እዩ ዘፍርስ? እዚኦም ይሳተፉን ትርጉም ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ክህልዎም ይገበር ምባልን ከ ንምንታይ እዩ ከም መፍረሲ ዝቑፀር?

ናተይ ቅዋም ሕዚ እውን ኣብ ሕድሕድ ውዳበታት ግደ መናእሰይን ምሁራትን ትርጉም ዘለዎ ይኹን ዝብል እዩ። ብመሰረቱ ከዓ መናእሰይን ምሁራትን ዘሳትፍ ሓይሊ ብቐፃልነት እናተዀልዐን ዓቕምታቱ እናወሰኸን ናብ ዝሓሰቦ ንምብፃሕ ዝሓሸ ዕድል ይህልዎ እምበር ክፈርስ ኣይክእልን። ኣነ መናእሰይን ምሁራትን ይሳተፉ ክብል ከለኹ ከም ህዝቢ ዝሓሸ መዋፅኦ ክህልወና፣ ደጋጊምና ጌጋታት እናፈፀምና ዝመፃእና ሰባት ሕዚ እውን እቲ ዕድል ንሕና በይንትና እንተሕዝናዮ ዝተፈለየ ነገር ክነምፅእ ኣይንኽእልን ዝብል እምነት ስለዘለኒ እዩ። ዝተፈለየ ነገር ነምፅእ ኣካላት ተንኾን ድኣ ኣብኡ ዶ ኣይነበርናን!

መናእሰይን ምሁራትን ናብ ቅድሚት ይምፅኡ ክብል ከለኹ ግን እቲ ካልእ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ካብ ተሞኩሮኡ ዝረኸቦ ዝሓሸ ልምዲ ኣለዎ። ብፍላይ ብዛዕባ ሕሉፍ ጉዕዞታት ብኣካል ዝርኣዮም ብዙሓት ተጓንፎታት ኣለዉ። ገለገሊኦም ንሕዚ እውን ጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ልምዲ እዚ ግን ራእይ ክኾን ኣይኽእልን። ራይእ ዘሎ ኣብቲ ብሕሉፍ ልምዲ ዘይተኣስረ መንእሰይን ምሁርን እዩ ዘሎ። እቲ መንእሰይ ልምዲ ይጎድሎ፣ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ድማ ማዕረ እቲ መንእሰይ ንቕድሚት ከመዓዱ ኣይክእልን። ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ሓጓፍ ክምላእ እንተድኣኮይኑ እቲ መንእሰይን ምሁርን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ መሪሕነት ክርከብ፣ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ከዓ ኣብ ድሕሪት ኮይኑ ካብኡ ዘድሊ ሓገዝ ክበርክት ብምግባር እዩ። ኣብዚ ከይዲ ዝባኽን ወይ ኣብ ዘይመዓላኡ ዝውዕል ሓይሊ ከይህሉ ዘግብር ስርዓት ዘርግሕካ ምትግባር ከድሊ እዩ።

ኣብዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ መልክዕ ምትሓዝ ዘድሊ ካልኣይ ነጥቢ ምትሕውዋስ ዝምልከት እዩ። ኩሉ ነናይ ባዕሉ ስራሕ ከድሚ ይግባእ። ናይ ባዕልካ ስራሕ ብዝለዓለ ውፅኢት ንምፍፃም ኣመና ፈታኒ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ናይ ካልእ ዓውዲ እናኣተኻ እተምፅኦ ለውጢ ብጣዕሚ ድሩት ምዃኑ ኣይተርፍን። “ምትሕውዋስ ይትረፍ” ክበሃል ከሎ “ዝኾነ ኣካል ንምፍራስ እዩ” ዝብል መከራኸሪ ዛዕባ ኣቐዲሙ ክመፅእ ዘለዎ ኣይመለንን። ስርሑ ዘድሚ ሰብ ከዓ ምትሕውዋስ ይስከፍ እምበር ኣየተባብዕን። ብናተይ እምነት ግን ምትሕውዋስ ምውጋድን ሰስራሕካ ምስራሕን ኣካላት የጠናኽር እምበር ዘፍርስ ኣይኮነን!

ጅግና!
05/06/2026

ጅግና!

28/05/2026

ግልፂ ፃውዕት ንመናእሰይ፣ ምሁራት፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ትግራይ
(ግልፅነት ንምፍጣር ብዝሕግዝ መልክዑ ዝተኣረመ)

ክሳዕ ሕዚ እናተጉዓዝናሎም ዝመፃእና መንገድታት መወዳእትኦም ኣብቲ ሕዚ ጥሕልናሉ ዘለና ብርኪ ክንርከብ ገይሮምና ኣለዉ:: ካብዚ ዓንኬል ንምውፃእ ዝፍተኑ ዘለው ጅማሮታት (ኣብ ኣብዝሓ ትግራዋይ ብፍላይ ኣብቲ መንእሰይ ዘሎ ናይ ለውጢ መንፈስን ምልዓልን) ብመሰረቱ ብኣወንታ ዝርኣዩ እኳ እንተኾኑ ብውፅኢቶም ክዕቀኑ ከለዉ ግን እዚኦም እውን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ፈተና ዝገጠሞም ይመስል:: ናይዚ ፀገም ቀንዲ ምኽንያት ክምርመር ከሎ ምናልባሽ መን ፈፀሞ ወይ ኣይፈፀሞን ካብ ዝብል ኣሃዳዊ ዓንኬል ወፂእና ነቲ ጉዳይ ንባዕሉ ንምምርማር ዘለና ድሉውነትን ቅሩብነትን ድሩት ምዃኑ ይመስለኒ:: ካልእ ሰብ እውን ካልእ ምኽንያት ከቐርብ ይኽእልእ ይኸውን::
ሐዚ እውን ካብዚ ዓንኬል ክንወፅእ እንተድኣኮይንና፥

1) ኣብ መንእሰይን ምሁርን ሽኻሉ ዝገበረ ሓዲስ ሓሳብ ዘተኣኻኽብ ዓለም ለኻዊ ፕሮጀክት ድሕነት ተዝህልወና፣

2) ክሳዕ ሕዚ (ኣብ እዋን መኸተ፣ ኣብ ታሪኽናን ምስ ጎረባብትናን) ዝተፈጥሩ በደላትን ስሕተታትን ብዝርዝር መርሚርና ብብሄራዊ ዕርቂ እንዓፅወሉ ዓለምለኻዊ መስሪሕ ዘርጊሕና ናብ ተግባር ብምእታው ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሶ ተንወስድ (እዚ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመላኽተዮ ነይረ እየ)፣

3) ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ወይ ማሕበረሰባዊ ክፋል ተበዲለ እየ እንትብል ወይ ከምዝተበደለ ኮይኑ እንትስምዖ ኣብቲ ናቱ ቦታ ኮይንና ብልቢ ነዳምፆ፣ እቶም ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ እውን ብውነ ንስራሕ:: ኣብዚ መዳይ ሓቂ ወይ ሓሰት እናተበሃሀልና ዝበለፀ ከይንጎዳዳእ ምጥንቃቕ ግድን ይመስለኒ::

4) መፃኢ ዕድልና ብመሰረቱ ኣብ ናይ ፅባሕ ባህግና እምበር ኣብ ናይ ትማሊ መዘከርታና ክኾን ከምዘይግብኦ ብውነ ተረዲእና እቲ ንመበዛሕትና ዘፈላልየና ዘሎ ናይ ትማሊ ውራይ ሕዚ እውን ካብ ዘቀራርበና ዘፈላልየና ከይኸውን በቲ ኣብ ቁፅሪ ሓደ ዝተቐመጠ መስሪሕ ክሳብ ዝፍታሕ ክሓድር (ክፀንሕ) ገይርና ኣብ ናይ ፅባሕ ባህግና ብሓባር ንዓስለሉ ሓበራዊ መንገዲ ተንእልሽ:: ንናይ ፅባሕ ጉዕዞና ዝሕግዙ ገለ ዛዕባታት ካብ መዘከርታና ምውካስ እንተደሊና እውን ኣብ ቁፅሪ ሓደ ብዝተቐመጠ መንገዲ ክንረኽቦ ተንፍትን::

እንተ እቲ ሕዚ ንኸደሉ ዘለና መንገዲ (ብሽም ለውጢ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት) ግን እቲ ጅማሮ ከም ኣወንታ ዝርአ ኮይኑ ብውፅኢቱ ግን ካብ ዝፈትሖም ፀገማት ዘተሓላልኾም ዝበዝሕ ዘሎ ይመስል:: ፀገምና ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሕዚ እውን እቲ ዝበለፀ ነገር ስኽን ኢልካ መዋፅኦ ምእላሽን ኣጀንዳና እውን ኣብ ባህግና ተዘድህብን ይሓይሽ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ::

22/05/2026

ሰላም
ገለ ኣካላት “ረዳኢ መትከሉ ቀይሩ” ገሊኦም ድማ “ንለውጢ ተቓዊሙ” ዝብል ሓሳብ ከጋውሑ ይዕዘብ ኣለኹ። ናይዚ መበገሲ ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሽም “ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን” ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪተ ዝሃብኩዎ ሓሳብ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ኣጀማምራኡ ኣትሒዙ ብዙሕ ስሕተት ዝነበሮ፣ ብእዋኑ ንክእረም ዝቐረቡ ሓሳባት ንምትእንጋድ ኣመና ዝተፀገመ፣ እዚ ዝበሃል ዝተፈለየ ሓሳብ እውን ዘይነበሮ (ሕዚ እንተልይዎ ግን ፅቡቕ እዩ)፣ መናእሰይን ምሁራትን ዘግለለ፣ ክሳተፉ ዝግብኦም ኣካላት ግልፅነት ብዝጎደሎ መንገዲ ዘየሳተፈ፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሚዛንን ፍትሓውነትን ዝጎደሎ ምዃኑ ወዘተ ንምሕባር እዩ። ስሕተቱ ብህፁፅ ዘይእረም እንተድኣኮይኑ ሕዚ እውን ካልእ ዙር ጣጣ ሕዙ ክመፅእ እዩ ዝብል ስግኣት ከዓ ኣለኒ::

ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ንመናእሰይን ምሁራትን ትግራይ ድማ ብፍላይ ሓደ ብግልፂ ከቕምጦ ዝደሊ መሰረታዊ ጉዳይ ኣሎ። ስሕተት ይትኣረም ምባል፣ ንዘጥፍአን ካብ ስሕተቱ ክእረም ንዘይክኣለን ኣካል ብሽሙ ምፅዋዕ ናይ መትከል ለውጢ ዘይኮነስ ኣብ መትከል ምህላው እዩ ዘረጋግፅ። ስሕተት ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ስሕተት እዩ። ስሕተት እናፈፀመ ብሽም ደለይቲ ለውጡ ተሸፊኑ ክሓልፍ ዝግብኦ ኣካል ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ሕዚ እውን ካብ ስሕተቶም ተኣሪሞም ኣብ ኩሉ ብርኪ ተሳተፎ መናእሰይን ምሁራትን ከረጋግፁ ኣለዎም። ነዚ ጉድለት ኣብ ክንዲ ምእራም ኣንፈቱ ዝቐየረ ካልእ ዓይነት ስሕተት እንትፍፀም ርእይኻ ከምዘይርኣኻ ምሕላፍ ግን ፍፁም ክሕሰብ የብሉን።

እምነተይን መትከለይን ግን ዝኾነ ኣካል ንምሕጓስ ወይ ንምሕዛን፤ ወይ እውን ውልቀ ሰባት ካብ ምፅላእን ምፍታውን ዝብገስ ዘይኮነስ ንዝህቢ ይረብሕ እዩ ኢለ ብልቢ ዝሓዝክዎ እምነት ስለዝኾነ ክቕየር ኮነ ሕቶ ክለዓለሉ ዝግባእ ኣይኮነን። ምናልባት ግን ኣብዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ሓንቲ ግራም ኣስተዋፅኦ ዘይነበሮም ነዛ ኣጋጣሚ ከም ዕድል ተጠቒሞም ሕሉፋት ተቓለስቲ ክመስሉ ንዝደልዩ ውልቀ ሰባት ንግዜኡ ክትሕግዞም ትኽእል ትኸውን።

17/05/2026

ዝበርዐነ ክብሎ ኣይክእልን፤ ካብ ብጉሓቱ መኻን ስለዝነበረ!

ንመንእሰይን ምሁርን ዘይምስታፍ ከይኣክል ነዚ ሓይሊ እዚ እናግለልካን እናደፋእኻን ብዛዕባ ዝሓሸ መፃኢ ምሕሳብ እንትውሕድ ቀልዲ እንትዓቢ ድማ ላግፂ እዩ ክኸውን:: እቲ መንእሰይን ምሁርን መፃኢ ዕድሉ ባዕሉ ንምውሳን ዘኽእሎ ዕድል ክፍጠረሉ ይግባእ፤ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ንሕና ዝበልናካ ጥራሕ ስማዕ ዝዓይነቱ ከይዲ ግን ንተወሳኺ ክሳራታት ካብ ምቅላዕን እቲ ኩነታት ብዝበለፀ ካብ ምትሕልላኽን ዝዘለለ ውፅኢት ኣይህልዎን::

ካብዚ ወፃኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኻት ስለዝፀዋዕኻ ጥራሕ ሕማም ክትፍውስ ወይ ፀገማት ክትፈትሕን ርሑቕ ክትእምእትን ኣይትኽእልን!

ሰብ ምእሳርስ ይክኣል ይኾን እቶም ዘልዕሎም ዘለዉ ሓሳባት ከ መን እዩ ክኣስሮም!?ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንዘለዎን ጌጋታት ንዝብሎም ኣሰራርሓታት ንክእረሙ እውን ብግልፂ ወፂኡ ንዝቃለስን መንእሰ...
11/05/2026

ሰብ ምእሳርስ ይክኣል ይኾን እቶም ዘልዕሎም ዘለዉ ሓሳባት ከ መን እዩ ክኣስሮም!?

ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንዘለዎን ጌጋታት ንዝብሎም ኣሰራርሓታት ንክእረሙ እውን ብግልፂ ወፂኡ ንዝቃለስን መንእሰይ ምእሳር ፍትሒ ከረጋግፅ ኮነ ዝሐሸ ፅባሕ ከአንፊት ኣይኽእልን::
ጌጋታት እንተተፈጢሮም እውን ብኣሰራርሓ ምእራም እምበር ስለዝኽኣልካ ጥራሕ ምእሳርን ምፍርራሕን መፍትሒ ኣይኮነን:: ሰብ ምእሳር ይክኣል ይኸውን እዩ፤ ንርእዮ እውን ኣለና። ሓሳባቱ ምእሳር ኮነ ምዕፋን ግን ኣብዚ እዋን ዝኾን ኣይኮነን-ግዜኡ ዝሓለፎ ተግባር እዩ::

Where is the Horn Security Complex Heading?The Horn of Africa has been experiencing extreme pe*******on and considerable...
07/05/2026

Where is the Horn Security Complex Heading?

The Horn of Africa has been experiencing extreme pe*******on and considerable overlay of external actors that continue to shape the region’s security complex. And the current developments around the Red Sea arena and the Persian Gulf are exacerbating the already fragile stability of the Horn.

ብሰላም ዕረፍ!ዜና ዕረፍትኻ እንትሰምዕ ንምእማኑ ተፀጊመ፣ ኣሎ የለን ዝብል ሓበሬታ እንትናፈስ እውን ክድሕን ይኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ጥራሕ ንምስማዕ ይፅበ ነይረ።  በቃ ልብኻ ዝጎድእ፣ ክት...
19/04/2026

ብሰላም ዕረፍ!
ዜና ዕረፍትኻ እንትሰምዕ ንምእማኑ ተፀጊመ፣ ኣሎ የለን ዝብል ሓበሬታ እንትናፈስ እውን ክድሕን ይኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ጥራሕ ንምስማዕ ይፅበ ነይረ። በቃ ልብኻ ዝጎድእ፣ ክትቕበሎ እውን ኣመና ዝኸብድ ፍፃመ ኮይኑስ ናብታ ንኩሉና ትፅበየና ናይ መወዳእታ ቦታና ከይድኻ። ፈጣሪ ኣብ የማናይ ጎኑ የቐምጥካ እምበር ታይ ክበሃል ኢልካዮ!!

ካብ እዋን ንእስነትካ ክሳብ እታ ህይወትካ ዝሓለፈትላ ዕለት ንዝኣመንካሉ ሓሳብ ብትብዓት እናሞገትካ፣ ንህዝቢ ይጠቕሙ እዮም ንእትብሎም ኣማራፅታት የማነ ፀጋም ከይበልካ ብምድጋፍ፣ ንህዝብኻ ዝጎድኡ መስሎም ኣብ ዝተርኣዩኻ ድማ ብትረት እናነቐፍካ ዝክኣለካ ኩሉ እናገበርካ ዝመፃእኻ መምህር ርትዕን ፅንዓትን ኢኻ።

መላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ስድራ፣ መሓዙተ፣ መቓልስትን ፈተውትን ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ፅንዓት ይሃብኩም!

ድምፂ ህዝቢ ክሰምዕ ንዝፍትን ኣካል ሞሳ ምሃብ ፅቡቕ እዩ!ፍትሒ እንትጎድል ንምንቃፍን መአረምታ ክግበርን ዝሓተተ ኣካል መንገዲ ፍትሒ እንትጅመር ሞሳ ምሃብ እውን ግቡእ ይኸውን።“ናይ ባዕልና...
26/02/2026

ድምፂ ህዝቢ ክሰምዕ ንዝፍትን ኣካል ሞሳ ምሃብ ፅቡቕ እዩ!

ፍትሒ እንትጎድል ንምንቃፍን መአረምታ ክግበርን ዝሓተተ ኣካል መንገዲ ፍትሒ እንትጅመር ሞሳ ምሃብ እውን ግቡእ ይኸውን።
“ናይ ባዕልና ስለዝኾነ ንምንታይ ሞሳ ንህብ” ዝብል ክህሉ ይኸውን እዩ። ናይ ባዕልና ከሕደገና ንዝፈተነ ኣካል ብትሪ ከምዝተቓወምናን ከምዝነቐፍናን ኩሉ ናይ ባዕልና ትሕዝቶ ከይንሕደግ ንዝሓገዘ ኣካል ድማ ይበል ንብል።

ሕቶታትና ብዝግባእ ክሳዕ ዝምለሱ ከዓ ከም ህዝቢ ሕጋውን ሰላማውን ቃልስና ዝያዳ ኣጠናኽርና ከንቕፅል ይግባእ።

Address

9009 Weatherly Way, Lorton, VA
Mekelle
22079

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Redae W. Halefom posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Redae W. Halefom:

Shortcuts

Share