Tigrai Culture and Tourism Bureau

Call Directions Website Contact the organization

Tigrai Culture and Tourism Bureau Tigrai is a place of devout religionists. truly,tigrai is the alpha & omega of Ethiopia's ancient & remarkable history.

yet for many others,it evokes the memories of the unmatched bravery & sacrifices paid to defend the country's freedom & independence.

ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ መስቀል ዓዲግራት ተሳሊጡ፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤ኣብ ምዕቃብ ሓደጊ፣ ልምዓት ቱሪዝምን ምብቃዕ ማሕበረሰብ...
24/09/2026

ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ መስቀል ዓዲግራት ተሳሊጡ
፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤

ኣብ ምዕቃብ ሓደጊ፣ ልምዓት ቱሪዝምን ምብቃዕ ማሕበረሰብን ማእኸል ዝገበረ 9ይ ዙር ዓለም ለኸ ኮነፈረንስ መሰቀል ዓዲግራት ተኻይዱ። እቲ ኮነፈረንስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፀጋታት ቱሪዝም ሳይነሳዊ ብዝኾነ መነገዲ ክፅንዑ፣ ክዕቀቡን ክለምዑን ብምግባር ማሕራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ምርግጋፅ ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ ኮነፈረንስ ኣበቲ ከባቢ ሰፊሕ ምርምር ዘካየደት ደ/ር ካትሪን ብዙም፣ ተመራመርቲ ዝተፈላላያ ዩኒቨርስቲታት ሃገርና፣ ከየዲ ስራሕቲ ባህልን ቱሪዝምንተሳ ወረዳታት ምብራቅ፣ ወከልቲ ማሕበረሰብን ትካላትን ተሳተፈቲፎም።

ርሑስ ቅነ በዓል መስቀል

መድረኽ ዘተ ኣብ ሓድግታት ገዳም ደብረ ዳሞ ፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤ኣብ ፀጋታትን ምሕደራን ሓድግታት ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ  መሰ...
22/09/2026

መድረኽ ዘተ ኣብ ሓድግታት ገዳም ደብረ ዳሞ
፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤
ኣብ ፀጋታትን ምሕደራን ሓድግታት ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ መሰረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይካየድ ኣሎ።

ኣስታት 1500 ዓመታት ዝገበረ፣ ናይቲ ዘበን ስነህንፃ ጥበብ ስእሊ ቅርፃ ቅርፂ ዘርኢ ፤ ብርክት ዝበለ ኣካላውን መንፈሳዊን ሓድግታት ዓቂቡ ዝሓዘን ብመልከዓዊ ኣቀማምጥኡ ፍሉይ ዝኾነ ገዳም ደብረ ዳሞ ኣብ ትግራይ ብዝለዓለ ብርኪ ካብ ዝጉብነዩ ሓድግታት ሓደ እዩ።

እዚ መድረኽ ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ሃገረ ስብከትን ማሕበረሰብን ዝተዋደደ ምሕደራ ሓድጊ ብምስራሕ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብን ዝተማለአ ታሪክ ንቀፃሊ ወለዶ ንምሕላፍን ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍትን ሰብሞያ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን፣ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕን ወረዳ ጉሎመኸዳን፣ ኣመሓደርቲ ገዳምን ተወከልቲ ማሕበረሰብን ተሳተፍቲ እዮም።

ኣብ ኣከባብራ በዓል መስቀል ካብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ
21/09/2026

ኣብ ኣከባብራ በዓል መስቀል ካብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

🌼ርሑስ ሓዱሽ ዓመት🌼                      2019 ዓ/ም✨🌻ሰላም • ተስፋ • ፍቕሪ • ዓወት 🌻✨
10/09/2026

🌼ርሑስ ሓዱሽ ዓመት🌼

2019 ዓ/ም

✨🌻ሰላም • ተስፋ • ፍቕሪ • ዓወት 🌻✨

🌼መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመትን ክብረ በዓል መስቀልን 🌼፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ወፃእን እትነብሩ ኩሉ...
10/09/2026

🌼መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመትን ክብረ በዓል መስቀልን 🌼
፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤
ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ወፃእን እትነብሩ ኩሉኹም ተጋሩ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም አብፀሐኩም ኣብፀሐና ! ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ብሩህ ተሰፋን ዓመት ክኾነልና niምነ።
እዚ ሓዱሽ ዓመት ብወረርቲ ተታሒዞም ዘለው ሉኣላዊ ግዝኣታትና እንምልሰሉ
ንልዕሊ 6 ዓመት ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ሓድነትና እነጠናኽረሉን ብርቱዕ ቃልሲ እነካይደሉን ክኸውን ይግባእ።
ኣብ ትግራይ ተከሲቱ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ኣብ ሰብን እንሰሳን ክበፅሕ ዝክእል ከቢድ ሓደጋ ንምክልኻል ውሽጣዊን ደጋውን ዓቅምታትና ብምውዳድ ክንሰርሕ ይግባእ እንዳበልና ገበርቲ ሰናይነረ ፈተውቲ ትግራይን ወገናትድርቂ ካብ ዘሰዐቦ ጥምየትን ዓፀቦን ክወፁ ሓገዝ ክትገብሩ ፃዉዒትና ነቅርብ።
ካበዚ ብተወሳኺ ኣብ ህዝብና ኣንፀላልዩ ዝኒሀ ወራር ኣብ ጎኒ መንግስትና ኮይንና ሰራዊትናን ደጀንናን ኣጠናኺርና ክንምክት ይግባእ ንብል።
ኣብ መወዳእታ መግለፂ መንነትናን ክብርታትና ዝኾኑ ዓበይቲ በዓላት ምብዓል ግዴታና ስለዝኾነ ናይ ሎምዘበን ክብረ በዓል መስቀል "በዓል መስቀል ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ትግራይ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ ኣማሊኡ ክኽበር ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተገበረ እዩ። በዚ መሰረት ዝምልከተኩም ኣካላት እኹል ምድላው ንኽትገብሩ ነተሓሳስብ።

🌼ርሑስ ሓዱሽ ዓመት!! 🌼
@ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብ ታሪኻዊትን ቅድስትን ከተማ ኣክሱም **************************************ኣብታ መሰረት ጥንታዊ ስልጣነ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ መበቆል ጥበብን ምህዞን፣ ...
30/08/2026

በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብ ታሪኻዊትን ቅድስትን ከተማ ኣክሱም
**************************************
ኣብታ መሰረት ጥንታዊ ስልጣነ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ መበቆል ጥበብን ምህዞን፣ ሰረት ሃይማኖታዊ ክብርታትን ዝኾነት ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን፤ በቢዓመቱ ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒዋሪ ሎሚ ዓመት እውን "ዓይኒዋሪ ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃይማኖታውን ባህላውን ትዊፊታቱ ብዝሓለወ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተሰኒዩ ይኽበር ኣሎ።

ሰናይ ክብረ በዓል ዓይኒዋሪ

ምድላዋት በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብ ከተማ ኣክሱም➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖በቢዓመቱ ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒዋሪ ሎሚ ዓመት እውን "ዓይኒዋሪ ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት” ብዝ...
29/08/2026

ምድላዋት በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብ ከተማ ኣክሱም
➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖
በቢዓመቱ ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒዋሪ ሎሚ ዓመት እውን "ዓይኒዋሪ ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃይማኖታውን ባህላውን ትዊፊታቱ ብዝሓለወ ብድምቐት ንምኽባር ኣካል ምድላው ዝኾኑ ዝተፈላለዩስራሕቲ ይሳለጡ ኣለዉ ።
ሰናይ ክብረ በዓል ዓይኒዋሪ

ፍሉይ መደብ መዛዘሚ በዓል ኣሸንዳ@@@@@@@@@@@@@@@@ንጭቡጥ ኩነታት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው "ብዓል ኣሸንዳ/ ዓይኒዋሪ/ ማርያ/ ኣሸንዳ-ኣውርስ/ፀሞረይ ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን...
27/08/2026

ፍሉይ መደብ መዛዘሚ በዓል ኣሸንዳ
@@@@@@@@@@@@@@@@
ንጭቡጥ ኩነታት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው "ብዓል ኣሸንዳ/ ዓይኒዋሪ/ ማርያ/ ኣሸንዳ-ኣውርስ/ፀሞረይ ንዘላቒ ሰላም፣ ሉኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ኣዲስ ኣበባን ዝተመረፁ ከተማታት ወፃእን ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ ብዝዓቀበ ደሚቑን ማዕሪጉን ክኽበር ካብ ምብሳር እቲ በዓል ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እንዳተሰርሐ መፂኡ እዩ።
እንትኾነ ግን እንዳዓበየ ዝመፀ ደብዳብ ነፈርቲ መንግስቲ ብልፅግና ኣብ ግምት ብምእታው፤ መንግስቲ ትግራይ ብዝሃቦ ኣንፈት መሰረት መኽፈትን መዕፀውን ኣብ ኣደባባያትን ጎደናታትን ቀርዩ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ሰፈራትን መንደራትን ከም ቀደሙ ክኽበር ተገይሩ እዩ። ኣብ ዝተመረፁ ቦታት ድማ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መኽፈቲ መደባት፣ ያዓወይ ስየ፣ ሓዛለይ ሓዛለይ ካልኦትን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ተሰኒዮም እንዳተሳለጡ መፂኦም አዮም። ከምኡ እውን ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ወገናት ነቲ በዓል ብዝተፈላለዩ መደባት ኣኽቢሮሞ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ሰብ ዋና እዚ በዓል ዝኾንክን ደቂ ኣሸንዳ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ኩነታት ኮይና እዚ መግለፂ መንነትና ዝኾነ በዓል ምኽባርና እንኳዕ ደስ በለና ንብል።
እዚ በዓል ደሚቑን ማዕሪጉን ክኽበር ገንዘባውን ካልኦት ድጋፋ ዝገበሩ ትካላትን ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ናይ ምስገና ሰርቲፊኬት ተዋሂብዎም ኣሎ። ብሽም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ድማ ክብረት ይሃበልና ንብል።

🌿🌿ስርዓት ኣከባብራ በዓል ማርያ 2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ እገላ🌿🌿 #ርሑስኣሸንዳ  #ኣሸንዳ  #ኣሸንዳትግራይ  #ባህሊትግራይ  #ቅርሲትግራይ  #ቱሪዝምትግራይ
24/08/2026

🌿🌿ስርዓት ኣከባብራ በዓል ማርያ 2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ እገላ🌿🌿
#ርሑስኣሸንዳ #ኣሸንዳ #ኣሸንዳትግራይ #ባህሊትግራይ #ቅርሲትግራይ #ቱሪዝምትግራይ

🌿🌿ስርዓት ኣከባብራ በዓል ማርያ 2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም🌿🌿 #ርሑስኣሸንዳ  #ኣሸንዳ  #ኣሸንዳትግራይ  #ባህሊትግራይ  #ቅርሲትግራይ  #ቱሪዝምትግራይ               ...
24/08/2026

🌿🌿ስርዓት ኣከባብራ በዓል ማርያ 2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም🌿🌿
#ርሑስኣሸንዳ #ኣሸንዳ #ኣሸንዳትግራይ #ባህሊትግራይ #ቅርሲትግራይ #ቱሪዝምትግራይ

Address

Mekelle
124

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Culture and Tourism Bureau posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigrai Culture and Tourism Bureau:

Shortcuts

Share

Nearby government services